ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓል ካጋመ "ንኣምለኽቲ ድኽነት" የጠንቅቕ


ፕረዚደንት ፖል ካጋመ
ፕረዚደንት ፖል ካጋመ

ፕረሲደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ኣብ ሃገሩ ናብ ዝርከብ ሓደ ናይ እምነት ቦታ ክበጽሑ ዝመጹ ካቶሊካውያን ኣመንቲ፡ "ኣምልኽቲ ድኽነት`ዮም፡" ኢሉ ብምኽሳስ፡ ክገፎም ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ።

በብዓመቱ ካብ ዙርያ ዓለም ዝመጹ ኣሸሓት ኣመንቲ ናብታ ኣብ ደቡባዊ ርዋንዳ ትርከብ ኪበሆ ትብሃል ቦታ ይበጽሑ። ኣብኡ ቅድሚ 40 ዓመታት ድንግል ማርያም ንሰለስተ ኣዋልድ ተማሃሮ ተራእያተን ተባሂሉ ይእመን።

ፕረሲደንት ካጋመ ግን ነቶም ዝሓለፈ ነሓሰ 15 ኣብቲ ቦታ እምነት ዝተረኽቡ ልዕሊ 20-ሽሕ ኣመንቲ ገሲጽዎም ኣሎ። ትማሊ ረቡዕ ንሓደ ጉባኤ መንእሰያት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ናብ ኪበሆ ዝርከብ ንግደት ዘይረብሕ ክብል ኣነኣኢሱዎ።

“ክትጽሊ ከለኻ ህይወትካ ንምምሕያሽን ክትህብትምን ካብ ድኽነት ክትወጽእን ክትጽሊ ዘለካ `ዩ ዝመስለኒ፡“ ዝበለ ፕረሲደንት ካጋመ፡ "ዝኾነ ሰብ ድኽነት ከምልኽ የብሉን፡ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ምስባኽ ድኽነት እንተሰሚዐ፡ ኣብ መካይን ጽዒነ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጉኖም`የ፡ ክሳብ ናይ ድኽነት ኣተሓሳስብኦም ዝገድፉ ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣይክወጹን`ዮም፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ጋመ ንባዕሉ ኣማኒ ካቶሊክ`ዩ።

ነቲ ብትሪ ምልኪ ምምሕዳሩ ዝፍለጥ መራሒ ርዋንዳ ናብ ከምዚ ዝበለ ቁጥዐ ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ንጹር ኣይኮነን ይብል ምንጪ ዜና ኤ ኤፍ ፒ። ካብ ኣብታ ሃገር ትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብወግዒ ዝተዋህበ ርእይቶ`ውን የለን።

እቲ ኣብ 1981 ኣብ ኪበሆ ትብሃል ናይ ርዋንዳ ቦታ ማርያም ንሰለስተ ኣዋልድ ተማሃሮ ተራእያተን ዝብል ጉዳይ፡ ኣብ 1981 ብቫቲካን ኣፍልጦ ዝረኸበ ኮይኑ ካብ ዙርያ ዓለም ንዝበጽሑ ካቶሊካውያን ፍሉጥ ናይ ንግደት ቦታ ኮይኑ ጸኒሑ`ዩ።

ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ርዋንዳ ሰዓቢ ካቶሊክ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG