ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ቻይናን ኢትዮጵያን ትስፉው ምሕዝነት ሃገራቶም ይገልጹ


መራሕቲ ኢትዮጵያን ቻይናን
መራሕቲ ኢትዮጵያን ቻይናን

ፕረሲደንት ቻይና ሺ ጂንፒግ ፡ ቻይና ዘለዋ ዘመናውነትን ልዑል ደረጃ ዘለዎ ምዕባለን፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ኢትዮጵያን ንዘሎ ምትሕብባር ሓዲሽ ዕድላት ከምጽኣሉ`ዩ ኢሉ።

ንሱ ነዚ ዝበለ ኣብ ጎኒ ዋዕላ ብሪክስ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን`ዩ። "ቻይና እምንቲ መሓዛን ግልጺ መሻርኽትን ኢትዮጵያ`ያ፡" ኢሉ ጂንፒንግ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ተበግሶ በልት ኤንድ ሮድ ከምኡ ድማ መድረኽ ምትሕብባር ቻይናን ኣፍሪቃን ተደጋጋሚ ልዑል ምልውዋጥ ሓሳባትን ዕዉት ምትሕብባራትን ክገብራ ጸኒሐን`የን ኢሉ እቲ መራሒ ቻይና። ንሱ ኣተሓሒዙ፡ ትካላት ንግዲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ወፍሪ ክገብራ ከም ተተባብዕን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምዕባለን ክመጽእ ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ከም ትደፍእን ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብግዲኡ፡ ምስ ቻይና ዘሎ ዓሚቕ ምሕዝነትን ሽርክነትን ኢትዮጵያ ከም ተስተማቕሮ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብሓገዝን ምትሕብባርን ቻይና፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ልዑል ለውጥን ምዕባለን ከምዘርኣየት ኣመስጊኑ።

ኢትዮጵያ ኣብ ደምበ ብሪክስ ብምጽንባር ምስ ቻይና ኣብ ሕርሻ ዕደናን ካልኦት ጽላታትን ብሓባር ክትሰርሕ ከም ትደሊ ዝገልጸ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንክልቲኣዊን ዝሓሸ መጻእን ማዕጾኣ ክፉት ከም ትገብር ኣፍሊጡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG