ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ዜናታት ሞት መራሒ፡ መጻኢ ጉጅለ ቫግነር ይንጥልጠል


ምስሊ ናይታ መራሒ ጉጅለ ቫግነር ተሳፊሩዋ ምንባሩ እትግመት ነፋሪት
ምስሊ ናይታ መራሒ ጉጅለ ቫግነር ተሳፊሩዋ ምንባሩ እትግመት ነፋሪት

መራሒ ዕጡቕ ጕጅለ ቫግነር ዝዀነ ይቭገኒ ፕረጎጅን ኣብታ ትማሊ ረቡዕ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ምንባሩ ድሕሪ ምሓባሩ፡ ኣብ ናይ ሰንቲ-ፔተርስ በርግ ቤት ጽሕፈት እቲ ጕጅለ ዕንባባን ናይ ክብሪ ሽምዓን ምብራሁ ሮይተርስ ኣስፊሩ።

ብዛዕባ ሞት እቲ መራሒ ካብ ወግዓውያን ምንጭታት ሩስያ ዛጊት ዝተሓበረ የሎን።

“ግረይ ዞን” ብዝብል ዝጽዋዕ ምስቲ ጕጅለ ቅርበት ዘለዎ ትካል ግን ኣብ ናይ ቴለግራም መልእኽቱ፡ ፕሪጎጂን “ብኣእዳው ከድዓት” ተቐቲሉ ክብል ጽሒፉ`ሎ።

ንሞት እዚ መራሒ ሓያል ዕጡቕ ጕጅለ ኣመልኪቱ በበይኑ ትንታነ ይወሃብ እኳ እንተሎ፡ ገሊኣቶም ንመንግስቲ ሩስያን ምምሕዳር ፑቲንን ክወቕሱ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ዩክሬን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከም ዘለዋ ይግምቱ።

በዓል መዚ ኣቭየሽን ሩስያ፡ ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ግቡእ ምርመራ ክግበር ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ። ኣብታ 10 ሰባት ሒዛ ምንባራ እትሕበር ነፋሪት፡ ሰለስተ ካብኣቶም ኣብረርቲን ተሓጋገዚን ምንባሮም ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ኣመልኪቱ ዛጊት መግለጺ ኣይሃበን።

ጉጅለ ቫግነር ኣብ ቴለግራም ዝያዳ ንጡፍ ምዃኑ ይግለጽ። እንተዀነ ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ሓደጋ ዝጠቐሶ የሎን። ኣብ ቴለግራም ናይቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብሰኑይ ዝዛውር ዝነበረ ምስልታት ግን መራሒኡ ፕሪጎጂን ኣብ ኣፍሪቃ ኰይኑ “ንብዙሓት ሓራ ንምውጻእ” ዝበሎ ናይ ምልመላ ሰራሕ ክሰርሕ ምዃኑ ዝሕብር’ዩ ነይሩ።

ጉጅለ ቫግነር ኣብ ማሊን ማእከላይ ርፓብሊክ ኣፍሪቃን ሓያል ህላወ ከም ዘለዎ ይፍለጥ። ሞት መራሒ እዚ ጉጅለ ርጉጽ ምስ ዝኸውን ግን ቀጻልነቱ ክፉት ሕቶ’ዩ ክኸውን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG