ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኢትዮጵያ 4.3 ሚልዮን ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ኣለዋ” ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት


ብቤት ጽሕፈት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ዝተኻፈለ ስእሊ
ብቤት ጽሕፈት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ዝተኻፈለ ስእሊ

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 4.3 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተመዛቢሎም ምህላውሞ ኣመልኪቱ። እቲ ትካል ኣብ ነቲ መጽናዕቲ ካብ ሕዳር 2022 ክሳብ ወርሒ ሰነ 2023 ዘካየዶ ኰይኑ፡ ንትግራይ ሓዊሱ፡ ኣብ 11 ክልላት ኢትዮጵያ ምምዝባል ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ጸብጻቡ፡ 66% ናይቶም ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ብሰንኪ ስእነት ጸጥታ ምዃኖም ከመልክት እንከሎ፣ 18% ብደርቂ፣ እቶም ዝተረፉ 7% ድማ ብካልእ ማሕበራዊ ጉዳያት ምዃኖም ተጠቒሱ ኣሎ።

ክልል ሶማሌን ትግራን ብሰንኪ ደርቂን ኲናትን ዝዓበዩ ብዝሒ ውሽጣውያን ተመዘበልቲ ሒዘን ምህላወን እቲ ትካል ሓቢሩ።

ብዙሕ ቍጽሪ ውሽጣውያን ተመዘበልቲ ዘመዝግበ ትካል ስደተኛታቅት (IOM) ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ መቓን ግዜ ድማ ብተመሳሳሊ 3.2 ሚልዮን ዜጋታት ናብ ዓድታቶም ምምላሶም ጠቒሱ ኣሎ። ካብዞም ተመለስቲ 44% ኣብ ክልል ኣምሓራ ክኰኑ እንከለዉ፡ 39% ኣብ ክልል ትግራይ እቶም ዝተረፉ 6% ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG