ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ጉጅለ ቫግነር ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ምንባሩ ሰብ-መዚ ሩስያ የመልክቱ


ነፋሪት ክትወድቕ ትርአ
ነፋሪት ክትወድቕ ትርአ

ካብ ሞስኮ ናብ ሰንቲ-ፔተርስ በርግ እትበርር ዝነበረት ናይ ውልቂ ነፋሪት ሎሚ ረቡዕ ወዲቓ፡ ኵላቶም ተሳፈርታ ድሕሪ ምማቶም፡ ካብ መንጎኦም ዋና ወታሃደራዊ ጉጅለ ቫግነር ዝዀነ የቭገንይ ፕሪጎዚን ምንባሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣስፊሩ። እቲ ኣገልግሎት ዜና ንሰብ-መዚ ሩስያ ብምጥቃስ’ዩ ነቲ ሓበሬታ ኣካፊሉ። ርጉጽ ኰይኑ ነቲ ወረ ከረጋግጽ ዝኸኣለ ኣካል ግን ዛጊት የሎን።

እታ ነፋሪት ንብረት እቲ ወናኒ ወታደራዊ ጉጅለ ምዃና መራኸቢታት ሩስያ ጸብጺበን። ሰብ-መዚ ምቍጽጻር ኣቭየሸን ሩስያ ድማ ኣብ ኣብታ ነፋርቲ ፕሪጎዚን ንኽጓዓዝ መዲቡ ከም ዝነበረ ሓቢሮም። ኣብታ ነፋሪት ከምቲ መዲቡዎ ዝነበረ ተሳፊሩ እንተዀይኑ ግን ዛጊት ኣይተነጸረን።

ኣብ ወራር ዩክሬን ንሓይሊ ሩስያ ዝድግፍ ኣሃዱ ዝመርሕ ናይ ውልቂ ሰራዊት ዝመርሕ ዝነበረ ፕሪጎዚን፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ምስ ክረምሊን ኣብ ጎንጺ ድሕሪ ምእታዉን ዕልዋ ምፍታኑን ንስደተ ናብ ጎረቤት ሃገር ቤላሩስ ምምራሑ ይዝከር። ምስኡ ተዓስኪሮም ዝነበሩ ሰራዊት ድማ እንተስ ምስኡ ናብ ስደት ክቕጽሉ፡ ናብ ሓይልታት ሩስያ ክጽንበሩን ሲቪላዊ ናብራኦም ክገብሩን ሰለስተ ምርጫታት ቀሪቡሎም ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG