ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ንቕርጺ ሓድሽ ምምሕዳር ዝቃወሙ ኣማኢት ተኣሲሮም" ተቓዋሚ ፓርቲ ጋሞ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ሓድሽ ኣወዳድባ ክልል ደቡብ ብምቋሞም፡ ብኣማእት ዝቝጸሩ ነበርቲ ከተማ ኣርባምንጭን ዞባ ጋሞን ከም ዝተኣስሩ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ጋሞ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

በቲ ሓድሽ ክልል ዝተተግብረ ድልደላ ቢሮታት ፈጻሚ ስራሕ ንድልየት ህዝቢ ጋሞ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን ክብሉ ኣመራርሓ'ቲ ፓርቲ ተዛሪቦም።

ሓላፊት መምርሒ ጉዳያት ኮሚኒከሽን መንግስቲ ምምሕዳር ዞባ ጋሞ ኤደን ንጉሴ፡ "ንኣወዳድባ'ቲ ክልል ብምቋሞም ዝተኣሰሩ ሰባት የለዉን ግን ህውከት ንምፍጣር ዝፈተኑ ውልቀሰባት ተኣሲሮም'ለዉ፡" ክብላ መሊሰን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG