ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጥምረት 11 ተቓወምቲ ፓርትታት ኢትዮጵያ ንኣዋጅ ህጹጽ እዋን ይቃወሙ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ጥምረት 11 ተቃወምቲ ፓርትታት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ታቃዊሙ።

ኣቦ መንበር ኣባል'ቲ ጥምረት ዝኾነ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፡ "ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንሕቶ ህዝቢ መፍትሒ ኣምጺኡ ኣይፈልጠን፡" ኢሎም።

ኣቦ መንበር ህብር ኢትዮጵያ ኣቶ ግርማ በቀለ ብወገኖም ኣዋጅ ህጹጽ እዋንን ስጉምቲ ሓይልን መፍትሒ ካብ ምምጻእ ንጸገማት ዘጋድድ'ዩ ኢሎም።

ስለዚ ኣዝዩ ዘሻቅል'ዩ ብዙሕ ንዝጨናፍሩ ጸገም ኢትዮጵያ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ልዝብ'ዩ ኢሎም። ንልዝብ ቅሩብ ዘይምዃኑ ብዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ኣካላት ዝውቀስ መንግስቲ ብወገኑ፡ ነቲ ዝቐርብ ወቐሳታት ደጋጊሙ ኣሉታ ሂብሉ'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG