ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝሕልኑ ኣባላት ሰልፊ ርፓብሊካን ሎሚ ኣብ ቴለቪዥን ክካትዑ'ዮም


ኣብቲ ክትዕ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከም ዘይካፈሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ
ኣብቲ ክትዕ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከም ዘይካፈሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ንሕጹይነት ፕረዚደንትነት ኣብ መንጎ ርፓብሊካን ሎሚ ረቡዕ ምሸት ክፍለ ግዝኣት ሚዋኪ ከተማ ዊስከንሰን ክትዕ ንምክያድ መድረኽት ተዳልዩ'ሎ።

ኣብቲ ክትዕ ክካፈሉ ትጽቢት ዝግበሮም ተወዳደርቲ ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ራን ደስንቶስ፣ ካብ ሳውዝ ካሮላይና ሴናተር ቲም ስካት፣ ኣመሓዳሪት ክፍለ ግዝኣት ሳውዝ ካሮላይና ነበር ኒኪ ሃሊ፣ ኣብ ዋንነ ትካል ዝተዋፈሩ ቪቨክ ራማስዋሚ፣ ምኽትል ፕረዚደንት ነበር ማይክ ፐንስ፡ ኣመሃዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኒውጀርሲ ነበር ክሪስ ክሪስቲ፣ ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ኖርዝ ዳኮታ ዳግ ቡርጋምን ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝ ኣት ኣርካንሳ ነበር ኢሳ ሂችንሰንን'ዮም።

ካብዚ ክትዕ ብርኡይ ዝተረፍ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብቲ ኣብ ድሮ'ቲ ብሰንኪ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ንውጽኢት ምርጫ 2020 ንምልዋጡ ጽዒሮም ዝብል ዝቀረቦም ክስታት ገበን ብተተሓሓዘ ዝእሰርሉ ምሽት ዝካየድ ክትዕ ንዘይምክፋል ወሲኖም'ዮም።

ብመሰረት ሪፖርተር ኣሶሸይትድ ፕረስ ሜግ ኪናርድ፡ ኣብ ፈለማ ኣብቲ ውድድር ቅድሚት ዝነበረሩ ትራምፕ ኣብ ካልኦት ክትዓት'ውን ከይካፈሉ ይኽእሉ'ዮም።

ኣብዚ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ትራምፕ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም ኣብዚ ናይ ሎሚን ኣብ ካልኦት ዝተመደቡን ክትዓት ከም ዘይካፈሉን ንዝኾነ ተወዳዳሪ'ውን ንምድጋፍ ቃል ከም ዘይኣትዉን ነጊሮም'ዮም-- ብመሰረት'ቲ ጸብጻብ ሪፖርተር ኣሶሸይትድ ፕረስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG