ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ራማፎዛ ወፍሪ ናብ ኣፍሪቃ ይጽውዑ


BRICS Summit in Johannesburg
BRICS Summit in Johannesburg

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ንምስፍሕፋሕ ደንበ ሃገራት ብሪክሲ ሃገሮም ዘለዋ መርገጺ ደጊሞም ብምግላጽ እተን ብቑጠባ ሃብታማት ሃገራት ንዓቕሚ ኣፍሪቃ ኣፍልጦ ብምሃብ ክድግፋ ትማሊ ሰሉስ ጸዊዖም።

እዚ ዝቀላቀል ዘሎ ደንበ ሓያል ኢኮኖሚ ኣብ ዝቕጽላ ሰለሰት መዓልታት ብቕልል ዝበለ መንገዲ ንግዲ ንምክያድ ዝተመሓየሸ መንገዲ ብዝምልከት ክመያየጥ ትጽቢት ይግበር።

"ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመርጸኦም ኣውፈርቲ፡ ኣብታ ኣህጉር ሃፍቲ ዘዋፍሩ ጥራይ ዘይኮነስ ንጥረ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ኣብቲ'ቲ ዘለዎ ቦታ ኮይኖም ዘመስርሑ'ዩ። ስለዚ ኣፍሪቃ ማዕድናትን ወይ ጥረ ሃፍቲን ዘይኮነስ ውዱእ ዝተሰርሕ ምህርቲ'ያ ናብ ስደድ ክትልእኽ እትደሊ፡" ክብሉ ፕረዚደንት ራማፎዛ ተዛሪቦም።

ብመሰረት መግለጺ ፕረዚደንት ራማፎዛ ኣብዚ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዋዕላ ካብ ሃገራት ብሪክስን ሓያለ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን 1,200 ልኡኻትን ልዕሊ 40-መራሕቲ መንግስታትን ክካፈሉ ትጽቢት ይግበር።

ፕረዚደንት ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብቲ ዋዕላ ወኪሎም ደኣ ይስደዱ እምበር ብኣካል ኣይተሳተፉን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG