ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን፤ ነበርቲ ቅልጡፍ ዜግነት ዝረኽቡሉ መንገዲ ተጣጥሕ


(ፋይል) ፓስፖርት ጀርመን
(ፋይል) ፓስፖርት ጀርመን

ካቢነ ጀርመን ስደተኛታት ዜጋታት እታ ሃገር ዝኾንሉ መንገዲ ዘሕጽርን ብዙሓት ሰባት ድርብ ዜግነት ክህሉዎም ዝፈቅድን ውጥን ሎሚ ረቡዕ ኣጽዲቑ።

ብመሰረት'ቲ ዝቐረበን ገና ብፓርላም ክጸድቕ ዘለዎን ሓድሽ መምርሕታት ዜጋ ናይ ምዃን ንውሓት ግዜ ኣብ ክንዲ 8 ዓመት 5 ዓመት ክኸውን'ዩ።

ብፍላይ እቶም ጽቡቅ ጌሮም ምስቲ ሕብረተሰብ ዝተዋሃሃዱን ንቋንቋ ጀርመን ጽቡቕ ጌሮም ዝመለኹን ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ዜጋ ጀርመን ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም። ዜጋታት ንምዃን ዝሓቱ ሰባት ኩነታት ዝፈላለ እንተኾነ ጽግዕተኛታት ሓገዝ መንግስቲ ዘይምዃኖም ከርእዩ ኣለዎም።

እቲ ረቂቕ ሕጊ ብተወሳኺ፡ ኣብ ጀርመን ዘሎ ዓቢ ማሕበረሰብ ሓዊሱ ሰባት ድርብ ዜግነት ክሕዙ መንገዲ ዝኸፍት'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG