ዋሽንግተን ዲሲ —
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕ ‘ናብ’ቲ ቅድሚ 3 ዓመታት ዝተካየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ውጽኢቱ ንክቕይሩ ፈቲኖም ተባሂሎም ዝተኸሰስሉ ክፍለ ግዝኣት ጂኦርጅያ ድሕሪ ጽባሕ ሓሙስ ኢዶም ከምዝህቡ ኣፍሊጦም።
ትራምፕ ነዚ ዝገለጹ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ከምዝኾነ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ብመሰረት ሰነድ ቤት ፍርዲ፡ ትራምፕ 200 ሽሕ ዶላር ንከትሕዙ ተሓቲቶም ኣለዉ።
ትራምፕ ኢዶም ኣብ ዝህብሉ እዋን፣ ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ሓይሊ ፖሊስ ነቲ ከባቢ ከምዝሕሉ፣ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ወረዳ ፉልተን ጂኦርጅያ ሎሚ ገሊጹ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ካልኦት 18 ሰባትን ቅድሚ ሰሙን ኣብ ጂርጅያ ከምዝተኸሰሱ ዝዝከር እዩ። ትራምፕ ኣብ ስልጣን መታን ክጸንሕ ኢሎም፣ ገበናዊ ተግባር ፈጺሞም’ዮም ዝብል ክሲ ቀሪብዎም ኣሎ።
ቅጥዒ