ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትንታነ -- ሕብረት ብሪክስ ኣባልነቱ ከስሕፍ ዘለዎ ተኽእሎን ብድሆታትን


ኣብ ጆሃንስበርግ ዝግበር ዘሎ ዋዕላ ሕብረት ብሪክስ
ኣብ ጆሃንስበርግ ዝግበር ዘሎ ዋዕላ ሕብረት ብሪክስ

ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ዘሎ መበል 15 ዋዕላ ሕብረት ብሪክስ፡ ካብተን ሰለስተ መስረትቲ ሃገራት ዝዀና ቻይና፡ ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቃን እቲ ሕብረት ሰፊሑ ዝዓበየ ደቡባዊ ሕብረት ክኸውን ይደልያ። ቻይና ድማ ብሕልፊ ነቲ ብኣመሪካ ዝዕበለል ምዕራባዊ ዓለም፡ ብሪክስ ከም መተካእታ ክኸውን ትትስፎ።

ሕብረት ብሪክስ ነቲ ብኣመሪካ ዝቕለስ ዓበይቲ ትካላት ከም ባንክ ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን መተካእታ ክኸውን ቻይና ትትስፎ። ደቡብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ሕብረት ኣንጻር ምዕራብ ዘይምዃኑ ትምጕት።

40% ናይ ህዝቢ ዓለም ኣብ ኣባላት ሃገራት ሕብረት ብሪክስ’ዩ ዝርከብ።

ምስፋሕ እዚ ሕብረት ግን ከምቲ ገለ ኣባላት ሃገራት ዝትስፈወኦ ዘለዋ ቀሊል ኣይመስለን። ብኣገላልጻ ተንታኒ ፓትሪክ ልኩሳ፤ “ምስፋሕ ኣባልነት ምሉእ ድጋፍ ኣባላት ሃገራት ኣይረኸበን። ህንዲ ሓንቲ ካብተን ንምስፋሕ ዝቃወማ’ያ። ብራዚል’ውን ሓደስቲ ኣባላት ምሉእ ቅድመ-ኵነት ከተግብራ ትሓትት። ምስፋሕ ኣባልነት ከመይ ከም ዝኸውን ድማ ህንዲ ቀስ ኢሉ ክርአን ክስርሓሉን ትጠልብ።”

ሚኒስተር ምትሕግጋዝ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር፡ ንኣጀንዳ ብሪክስ ዘቐድማን ዘሰጕማን ሃገራት ጥራይ ኣብቲ ሕብረት ንምእታው ከም ዝርኣያ ትዛረብ።

ካልኦት ተዓዘብቲ ድማ ኣብዚ ሕብረት ዝዓበየ እጀታን ዓቢ ቦታን ክህልወን ዝኽእላ ሃገራት ኣርጀንቲና፡ ናይጀሪያ፡ ኢንዶነዢያ፡ ስዑዲ ዓረብን ሕብረት ኢማራት ዓረብን ምዃነን ይምጕቱ።

ክኢላ ስነ-ቍጠባ ፐትሪ ረድሊንሀይስ ብወገኑ እቲ ሕብረት እንተ ዓብዩ፡ ልዕሊ ደምበ ምዕራብ ክሕይል ከም ዝኽእል ይኣምን። ከም ኣገላልጻ እዚ ክኢላ ቍጠባ፡ ኣብ ሕብረት ብሪክስ ንምእታው ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ኣብ ቍጠባ ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ስለ ዘለወን፡ እዚ ምትእኽኻብ ኣባልነት ኣብ ምስፋሕ እንተ ሰሪሑ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ዓቢ ለውጢ ከምጽእ ተኽእሎ ኣለዎ።

ብዓይኒ ተንታን ፓትሪክ ሉኩሳ ግን፡ ቅሩብነት ብራዚል ህንዲን ብምስትውዓል፡ ምስፋሕ ኣባልነት ቅልጢፉ ዝትግበር ኣይመስልን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሰሉስ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ኣባላት ሃገራት ብዛዕባ ምስፋሕ ኣባልነት ኣመልኪተን ክዘራረባ ምዃናን ወኪልና ዳረን ተይለር ካብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝለኣኾ ጸብጻብ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG