ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋዕላ ሕብረት ብሪክስ ንምስታፍ ፕረ. ኢሳይያስ ንደቡብ ኣፍሪቃ ገይሹ


ስእሊ ፋይል--ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኬንያ
ስእሊ ፋይል--ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኬንያ

ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዝቃናዕ መበል 15 ርክብ ሕብረት ብሪክስ ንምስታፍ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ከም ዝገሸ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጡ። ኣብቲ ቅድም ብትዊተር ደሓር “ኤክስ” ዝብል ስም ዝፍለጥ ማሕበራዊ ገጽ ነዚ ሓበሬታ ዘካፈለ ሚኒስተር ዜና፡ ንሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝሓቘፈ ጉጅለ ሎሚ ሰሉስ ብናይ ኤርትራ ኣቆጻጽራ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ'ዩ ካብ ኣህጉራዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ነቒሉ።

ኣብዚ ኣብ ጆሃንስበርግ ዝቃናዕ ዘሎ መበል 15 ዋዕላ ሕብረት ብሪክስ፡ ካብ ዝርከቡ ዓበይቲ መራሕቲ ሃገራት ናይ ቻይና ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ነረንድራ ሞዲን ናይ ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫን ይርከቡዎም።

ኣብዚ እናዓበየን ህቡብነት እናረኸበን ዝመጽእ ዘሎ ሕብረት ናይ ሃገራት ደቡብ ዝርአ፡ ብኣሕጽሮ-ቃላት ብሪክስ ዝብል ዝፍለጥ ደምበ፡ ንዅላተን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓዊሱ፡ 69 ሃገራት ብምስታፍ ተዓዲመን ከም ዘለዋ ኣገልግሎት ዜና ሮስይተርስ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ ኣጀንዳ እዚ ንብራዚል፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቻይና፡ ሩስያን ህንዲን ዝሓቍፍ ሕብረት ምስፋሕ ኣባልነት ከም ዝርከቦ ሮስተርስ ሓቢሩ። ካብ መንጎ ኣብዚ ኪዳን ንምንጽባር ሕቶ ዘቕረባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺን ኣልጀሪያን ይርከበአን። ብዛዕባ ተሳትፎኡ ነዊሕ ከዘራርብ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ግን ንደቡብ ኣፍሪቃ ኣይገሸን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG