ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ናብ ስዊድንን ብራስለስን ምጋሾም ካብ ሚኒስትሪ ወፃኢ ኣሜሪካ ዝመፀና ዜና ሓቢሩ። ብስቶክሆም ዓለምለኸ ኢንስቲትዩት ማይ ኣብ ዝዳሎ ናይ ዓለም ናይ ማይ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ክሳተፉ እዮም። መገሽኦም ካብ 19 ክሳብ 26 ነሓሰ 2023 ዝፀንሕ እዩ።
ብስቶክሆልም ዓለምለኸ ሰላምን መፅናዕቲ ኢንስቲትዩትን ኣብ ዝሳለጥ ልዝብ ክቢ ጠረጴዛ እውን ክሳተፉ እዮም። ምስ ዓቢ ሓጽቢ ሕዳሴ ኣብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ከም ቀንዲ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ዘለው ኣምባሳደር ሃመር ምስ ኣተሓሕዛ፣ ኣጠቓቕማን ተበፃሕነትን ማይ ዝተኣሳሰሩ ስምምዓት ንፀጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪካ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ብዝምልከት ክዝትዩ እዮም።
ፍሉይ ልኡኽ ሃመር ናብ ብራስለስ ብምቕፅል ኣብ ጉዳያት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምዝርራብ ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮፓ ክራኸቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝቐፀለ ህውከት ብልዝብ ኣቢሉ ሰላማዊ ፍታሕን ብዛዕባ ሓለዋ ሲቪላትን ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዝሕግዝሉ ኣገባብ ብዝምልከት ክዝትዩ እዮም ይብል እቲ መግለፂ።
ኣምባሳደር ሃመርን ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ሰሜን ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ግብራዊ ክኸውንን ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ተጠቃሚ ዝግበር ሰላም፣ ፍትሕን ተሓታትነት ንምስጓምን ናይ ሓባር ፃዕርታት ብዝምልከት ክዝትዩ እዮም።
ቅጥዒ