ዋሺንግተን ዲሲ —
ትሮፒካዊ ህቦብላዊ ሂላሪ ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርኒያን ነቫዳን ምዕልቕላቕ ማይ ኣውሪዱ። ተንበይቲ ኩነታት ኣየር እቲ ህቦቡላ ንህወት ሓደጋ ዝኾነን ዕንወት ዘስዕብን ኩነታት ከምዝፈጥር የጠንቅቑ ኣለው።
ኣገልግሎት ሃገራዊ ኩነታት ኣየር ኣሜሪካ ብሰንኪ ሓደገኛ ውሑጅ ሰባት ኣብ ከባቢ ሎስ-ኣንጀለስ መካይን ካብ ምዝዋር ክርሕቑ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ገለ ከባቢታት ምድረ በዳ ካብ 12 ክሳብ 25 ሰንቲሜትር ዝናብ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ኢሎም ኣለዉ።
ኣማሓዳሪ ካሊፎርኒያ ጋቪን ኒውሳም ግብረ መልሲ ንምህባን ንምሕጋዝን ህፁፅ ግዜ ኣዊጆም ኣለዉ።
ቅጥዒ