ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኬንያ ኣብ ወፍሪ ኣንጻር ዓዋሉ ንምስታፍ ሀይቲ ኣትዮም


ፖሊስ ኬንያ
ፖሊስ ኬንያ

ሓደ ደረዘን ዝኾኑ ላዕለዎ መኮነናት ፖሊስ ኬንያ ኣብ ዋና ከተማ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ተላዒሎም ናብ ፖርቶ ፕሪንስ ኣምሪሖም። ብድሩዓት መካይን ተሳፊሮም ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ክኸዱ እዮም።

እቶም መኮነናት ትማሊ ሰንበት ናብ ሀይቲ ኣትዮም ኣለዉ።

ሀይቲ ኣንፃር ዓዋሉ እትገብሮ ቓልሲ ሓገዝ ከምዘድልያ ምስ ሓተተት ንሃገራዊ ፖሊስ ንምሓግዝ እዮም መኮነናት ኬኒያ ተላኢኾም ዘለዉ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ሰበስልጣን ናይ ሕቡራት መንግስታት ሰብኣዊ መሰላት "ንደረት ኣልቦ ጭካነ" ዓዋሉ ሀይቲ ኮኒኖም። እቲ ህውከት ኣብ ዝሓየለሉ ኣሽሓት ሰባት ናብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ሃዲሞም ኣለዉ።

ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 15 ነሓሰ 2023 ኣ/ፈ ኣብ ዘሎ እዋን ልዕሊ 2,400 ሰባት ተቐተቲሎም፣ 950 ተጨውዮምን 902 ድማ ቆሲሎምን ኣለዉ--ብመሰረት ኣቐባሊ ቃል ናይ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት።

ኬንያ ንትሑት ዓቕሚ ፖሊስ ሀይቲ ንምሕጋዝ ንዝግበር ዓለምለኸ ፃዕሪ ንምምራሕ ሓሳብ ኣቕሪባ ኣላ።

ልዕሊ 11 ሚሊዮን ህዝቢ ዝሓዘት ሃገር 10,000 ኣባላት ፖሊስ ጥራሕ ኣለዋ። ፖሊስ እታ ሃገር ንልዕሊ 80 ሚእታዊ ዋና ከተማ ዝተቖፃፀሩ ዓዋሉ ክቆፃፀር ኣይክኣለን። ንተልእኾ ኬንያ ክመርሕ ንዝተመደበ ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ፖሊስ ኑር ጋቦም ርእይቶ ህበሉ ተደዊሉ ስልኪ ኣይመለሰን ይብል ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG