ምኽትል ቢሮ ሓላፊ ነበር ቢሮ ድሕንነት ክልል ኣምሓራ ኮሎኔል ኣለበል ኣማራ ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ኣኽበርቲ ቤት ፅሕፈቶም እዮም ብዝተብሃሉ ሰባት ተታሒዞም ከምዝተወሰዱን ስድራኦም ኣበይ ከምዘለው ክሳብ ሕዚ ከም ዘይፈልጡን ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።
ኣቶ ኣለበል ካብ ዝሰርሕሉ ስራሕቲ መገዲ ክልል ኣምሓራ ዝተወሰዱ ምስ ክልተ ሓለውቶም ምዃኑ ሓዎም ኣቶ ገበየሁ ኣማረ ሪፖርትርና ኣስቴር ምስጋናው ካብ ኣዲስ ኣበባ ፀብፂባ።
ኮሎኔል ኣለበል ኣብ ሰነ 2011 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት መራሕቲ ክልል ኣምሓራ ምስ ዝተፈፀመ ቕትለት ተኣሳሲሩ ተጠርጢሮም ንሒደት ኣዋርሕ ተኣሲሮም ምንባሮም ተገሊፁ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ኣብ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ እቲ ህዝቢ ምስ መሓውር ፀጥታ ብምዃን ኣብቲ ክልል ሰላም ንምስፋን ተኻኢሉ ክብል ናይቲ ክልል እዚ ህፁፅ ኣዋጅ ገሊፁ።
እቲ እዚ ከምዚ እንተበለ እውን ግን ኣብቲ ክልል ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጎጃም ገለ ከባቢታት ሕዚ እውን ወጥሪ ከምዘሎ ነበርቲ ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው።
ቅጥዒ