ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሓለዋ ዶባት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣማኢት ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ቀቲሎም” ህዩማን ራይትስ ዎች


ስእሊ ፋይል፡ ዝርጋሐ ማያትን መደባት ፕሮጀክት ጸዓትብ ስዑዲ ዓረብ
ስእሊ ፋይል፡ ዝርጋሐ ማያትን መደባት ፕሮጀክት ጸዓትብ ስዑዲ ዓረብ

ሓለዋ ዶባት ስዑዲ ዓረብያ፡ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ንዝፈተኑ ኣማኢት ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ከም ዝቐተሉ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ሰብ-መዚ ስዑዲ ዓረብ ግን ነቲ ጸብጻብ “መሰረት ኣልቦ’ዩ፡” ክብሉ ነጺጎሞ ኣለዉ።

“ሓለዋ ዶባት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣማኢት ኢትዮጵያውን ስደተኛታት ቀቲሎም” ህዩማን ራይትስ ዎች
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:29 0:00

ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ንዝሓሸ ስራሕ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣትዉ ኣብ ዝፈተኑሉ፡ ብሓለዋ ዶባት እታ ሃገር ብኣልማማ ከም ዝቕተሉ ህዩማን ራይትስ ዎች ካብ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ ይሕብሩ። እቲ ተሓለቒ ትካል ዘዘራረባ፡ ተወላዲት ብሄረ ኦሮሞ ምዃና ዘምልከተት ሓንቲ ምስክር፡ እቶም ሓለዋ ዶባት ነቶም ካብ ማእሰርቲ ዝተለቐቑ ከይተረፉ ብኣልማማ ጠያይት ከም ዝተኰሱሎም ትሕብር። ንሳ ኣብ ዝነበረትሎም ጉጅለ ድማ ካብ መንጎኦም በቲ ተዅሲ ዝተቐትሉን ድሕሪ ማህረምቶም ኣብኡ ተሪፎም ብስቓይ ንኽመቱ ከም ዝተገድፉን ትሕብር።

ኣይ ህዩማን ራይትስ ዎች ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐት ናዲያ ሃርድማን፡ ሰብ-መዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦን ዘይበጽሖን ርሑቕ ኣካባቢ ነዚ ኣካሕካሒ ተግባራት ይፍጽሙዎ ምህላዎም ሓቢራ።

ንሳ ወሲኻ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኵዕሶን ጎልፉን እትገብሮ ዘላ ወፍሪ ነቲ ጸሊም ተግባራት ክኽውሎ ኣይክእልን’ዩ ትብል። እዚ በታ ሃገር ስም ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ወፍርታት ብሓደ ወገን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ገጽ ግን ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ይፍጸም ከም ዘሎ ድማ ናዲያ ሃርድማን ትዛረብ።

ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ ግን ነቲ ክስታት ይነጽጉ። እቲ ስሙ ክዕቅብ ዝመረጸ በዓል መዚ፡ ብድምሩ ኵሉ እቲ ኣንጻር ሃገሩ ዝቐረበ ክስታት መሰረት-ኣልቦ ክብል ተቓዊሙዎ ኣሎ።

ኣብ ኒው-ዮርክ ዝመደበሩ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ የመንን ስዑዲ ዓረብን፡ ኣንጻር ኢትዮጵያውያን ክወርድ ዝጸንሐ በበይኑ መግሃስታት ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ክከታተሎ ከም ዝጸንሐ የመልክት። እዚ ድሒሩ ዝወጽእ ዘሎ መቕተልቲ ግን ተመሳሳሊ ኣገባብ ዝኽተልን ብተናጸል ዝተፈጸመ ዘይምዃኑን ህዩማን ራይትስ ዎች ይሕብር።

ዝሓለፈ ዓመት ናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪ ጉጅለ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተተኰሰ ከበድቲ ብረታት፡ ኣብ ሰሜናዊ የመን ኣስታት 430 ስደተኛታት ምቕታሉ ሓቢሩ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይ 2022 ዝተፈጸመ ምዃኑ’ዩ።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዜጋታት ካብ ስዑዲ ዓረብ ክመልስ ጀሚሩ። ከም ጸብጻብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ድማ ኣስታት 100-ሽሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ብዛዕባ’ቲ ካብ ስዑዲ ዓረብ ተተኲሱ ንስደተኛታት ዝቐትል ዝነበረ ደብዳባት፡ ህዩማን ራይትስ ዎች ካብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ግብረ-መልሲ ሓቲቱ ምላሽ ኣይረኸበን። ንሰሜናዊ ክፋል የመን ዝቆጻጸሩ ተቓለስቲ ሑቲ ግን ንስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ ደብዳባት ካብ ስዑዲ ከም ዘሎ ይሕብሩ።

እንተዀነ ተቓለስቲ ሑቲ’ውን ካብ ወንጀል ናጻ ኣይኰኑን። ኣብ ምስግጋር ዶባት ባዕላቶም ተዋፊሮም ንስደተኛታት ገንዘብ ከኽፍሉን ክኣስሩን ከም ዝርኣዩ መሰኻኽር ንህዩማን ራይትስ ዎች ሓቢሮም።

መብዛሕትኦም እቶም ግፍዕታት ኣብ መንጎ ሓይልታት ሑቲን ስዑዲ ዓረብን ተዛማዲ ምርግጋእ ኣብ ዘለወሉ እዋን’ዮም ተፈጺሞም።

ህዩማን ራይትስ ዎች ነዚ ጸብጻብ ንምድላው፡ ካብ የመን ንስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ዝፈተኑ 38 ኢትዮጵያውያን ኣዘራሪቡ’ዩ። ኣብ ርእሲኡ ናይ ስትላይት ምስልታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተለጠፈ ቪድዮታትን’ውን ነቲ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ተወኪሱ’ዩ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ዝዘራረቦም መሰኻኽር እንኮላይ ብሞርታር ከም ዝተተኰሰሎም ይነግሩ።

ገሊኡ እቲ መቕተልቲን ተዅሲን ካብ ኣዝዩ ናይ ቀረባ-ርሕቀት’ዩ ነይሩ። እቶም ሓለዋ-ዶባት ብኣልማማ ጠያዪት ናብቶም ስደተኛታት ከም ዝትኵሱ ድማ እቶም ህዩማን ራይትስ ዎች ዘዘራረቦም መሰኻኽር ይሕብሩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ጾታዊ ዓመጽ፡ ብእምኒን ሓጺንን መግረፍቲ ከም ዝነበረ ይነግሩ።

ህዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ተግባራት ደው ኣቢሉ ብዓለማዊ ውዕላት ክቕየድ ይጽውዕ። ሕቡራት ሃገራት ድማ ነቲ ዘሎ ግፍዒ ብግቡእ ምርመራ ክግበረሉ የተሓሳስብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG