ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስጳኛ ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ ዓቲራ


ዕውትቲ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ
ዕውትቲ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ

ሎሚ ሰንበት ኣብ ሲድኒ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝተኻየደ ዛዛሚ ውድድር ዋንጫ ዓለም ደቀንስትዮ፡ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ንመጋጥምተን ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ 1 ብ0 ድሕሪ ምስዓር ዋንጫ ዓለም ዓቲረን።

ጋንታ ስጳኛ ቅድሚ ዕረፍቲ ብመገዲ ኦልጋ ካርሞና ብዝረኸበኣ ሸቶ’የን ተዓዊተን።

ክልተ መጋጥምቲ ጋንታታት ናብዚ ናይ ፈጻመ ደረጃ ክበጽሓ ናይ ፈለማአን’ዩ ነይሩ። ጋንታታት ደቀንስትዮ ኤውሮጳ ንዋንጫ ዓለም ክወስዳ ማዕረ ከም ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ዝርአ ኣይኰነን። በዚ ናይ ሎሚ ዓወት እምበኣር እታ ዋንጫ ድሕሪ 2007 ናይ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ዓወት፡ ንፈለማ እዋና ናብ ኤውሮጳ ተመሊሳ ኣላ።

ኣብቲ ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ልዕሊ 75-ሽሕ ተዓዘብቲ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ በዚ ሎሚ ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊባ ኣላ። “ላ ሮጃ” ብዝብል ስም ዝጽዋዓ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ፡ ንናይ ትሕቲ 17፡ ትሕቲ 20 ከምኡ’ውን ዓበይቲ ዋንጫ ብምዕታር ኣብ ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ፍሉይ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊበን ኣለዋ።

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ፡ ኣብ ፊፋ ዝሰርዖ ዋንጫ ዓለም፡ ብደቂ-ተባዕትዮ ኣብ 1966 ድሕሪ ምዕዋታ መንበሪ ክበሒ ዋናጩ እታ ሃገር ባሕትዩ’ዩ ዘሎ። ሎሚ ዓመት ብደቀንስትዮ ክትድበስ ዝነበራ ተስፋ ድማ ሕጂ ማህሚኑ ኣሎ።

“ቅድሚ ዕረፍቲ ምውህሃድ ኣይነበረናን። ድሕሪ ዕረፍቲ ግን ኣዚና ጽቡቕ ተጻዊትና። እንተዀነ ኣብ ኵዕሶ ዘገድስ ምስዓር’ዩ፡ ንሱ ድማ ኣይገበርናዮን። ኣዝዩ ዘሕዝን ኣጋጣሚ’ዩ፡” ኢላ ድሕሪ’ቲ ጸወታ ኣምበል ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዝዀነት ሚሊ ብራይት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG