ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገለ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ሎሚ`ውን ግጭት ቀጺሉ`ሎ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

መብዛሕቲኡ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ናብ ሰለማዊ ኩነታት ተመሊሱ ስሩዕ ምንቅስቓስ እንተጀመረ`ኳ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ደምበጫ፡ ከባቢ ጨረቃ ከምኡ ድማ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ወረዳ ኣማንኤል ከተማ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ይካየድ ምህላዉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። በቲ ተዅሲ ኣብ ሲቪላውያን ሰባት ጉድኣት ምውራዱ`ውን እቶም ነበርቲ ወሲኾም ሓቢሮም።

ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰመረን።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ሎሚ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ “ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝናት ጠበንጃ ኣልዒልኩም ዘለኹም ወገናት ብረትኩም ኣውሪድኩም ንሰላምን ዕርቅን ቀዳምነት ክትህቡ፡ ንህልውና ሃገርኩም ተገዛእቲ ክትኮኑ፡ ከምኡ'ውን መንግስቲ ልቢ ኣዕብዩ ንኹሉ ናብ ልዝብ ክዕድም ብኣጽኖኦት ንልምን ኣለና፡” ኢሎም።

ሕብረት ኣፍሪቃ `ውን ትማሊ ተመሳሳሊ መጸዋዕታ ምቕራቡ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ)፡ እቲ ኣብቲ ክልል ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርግጋእ ንሰብኣዊ ተበጻሕነት የተዓናቕፎ `ሎ ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብ 20 ወረዳታት`ቲ ክልል፡ ሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) 37 ሰባት ከምዝቐተለን፡ 2,304 ከም ዝተረኽቦምን ኦቻ ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ-ከም ጸብጻብ ኣስቴር ምስጋናው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG