ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሓደሽቲ ክልላት ኢትዮጵያ ሎሚ ምስረታአን ጸንቢለን


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ደቡብ ኢትዮጵያ ከምኡ ድማ ደቡባዊ ማእከላይ ኢትዮጵያ ዝተባህላ ሓደስቲ ክልላት ሎሚ መበል 12 ን 13 ክልላት ኢትዮጵያ ኮይነን ጸንቢለን ኣለዋ።

ኣብያተ መኽሪ `ተን ክልተ ክልላት ኣብ ከተማታት ኣርባምንጭን ወልቂጠን መንበራቶም ሒዞም ኣለዉ።

ናይ ክልቲኡ ክልላት ናይ ስራሕ ቋንቋ ኣምሓርኛ ክኸውን `ውን ተወሲኑ`ሎ።

ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ 32 ብሄረሰባት ዝሓዘ 6ተ ዞባታትን 5ተ ፍሉይ ወረዳታትን ክህልውዎ ከለዉ፡ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ድማ 5ተ ዞናታትን ሓደ ፍሉይ ወረዳን ዝሓዘ ምዃኑ ተፈሊጡ`ሎ። ምርጫ ፕረሲደንትታትን ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈታትን ጽባሕ ክግበር ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ጽንብላት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ግን፡ ንኣመራርጻ`ተን ርእሰ ከተማታት ዝቃወም ሰልፍታት`ውን ይካየድ ኔሩ

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG