ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ክልል ኣምሓራ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ዝሃቡ መማህራን ኩሎም ናብ ከባቢኦም ብሰላም ከምዝመለሶም ሚኒስቴር ትምህርቲ ኢትዮጵያ አፍሊጡ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ፈተናን ምዘና ትምህርትን ዶ/ር እሸቱ ከበደ፡ ነቶም ብሰንኪ ጎንፂ ክልል ኣምሓራ፣ ካብቲ ክልል ንምውፃእ ተፀጊሞም ዝነበሩ መማህራን ሓዊሱ ብድምሩ ልዕሊ 9 ሽሕ መማህራንን ኣፈፀምቲ ፈተናን ነናብ ከባቢኦም ክምለሱ ከምዝተገበረ ኣፍሊጦም። እቶም ካብ ክልል ኣምሓራ ናብ ካልኦት ክልላት ተመዲቦም ዝነበሩ መማህራንን ኣፈፀምቲ ፈተናን እውን ብተመሳሳሊ ናብ ክልሎም ከም ዝተመለሱ እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም። ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም መማህራን እውን ካብ ዩኒቨርሲቲታት ክልል ኣምሓራ ብሰላም ከም ዝተመለሱ ተዛሪቦም።
ቅጥዒ