ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቻይና ንደቡብ ኣፍሪቃ ክበጽሕ'ዩ


ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ
ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ

መራሒ ቻይና ሺ ዢንፒንግ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወግዓዊ ምብጻሕ ክገብር`ዩ -- ከምኡ`ውን ኣብ ዋዕላ ብሪክስ ክሳተፍ`ዩ ክብል ሚንስትሪ ወጻኢ ቻይና ኣፍሊጡ። እቲ ብ`ብሪክስ` ዝጽዋዕ ንብራዚል፡ ሩስያ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓቁፍ ጥርናፈ ዝመጽእ ሰሙን ካብ ነሓሰ 21 ክሳብ ክሳብ 24 2023 ኣብ ጆሃንስ በርግ ክቃናዕ`ዩ።

ዢንፒንግ ኣብዚ ዓመተ 2023 ኣህጉራዊ ምብጻሕ ክገብር ንኻልኣይ ግዚኡ ጥራሕ`ዩ። ዝሓለፈ መጋቢት ሩስያ ምብጻሑ ይዝከር።

ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑትን ምስ ኲናት ዩክሬን ብዝተሓሓዝ ብኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት(ICC) ስለዝድለ ኣብቲ ዋዕላ ብሪክስ ይሳተፍ`ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶታት ከልዕል ጸኒሑ`ሎ። እቲ ሕቶ ብቐንዱ ዝለዓል ዘሎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈራሚት ICC ብምዃናን ንክተረክቦ ሓላፍነት ዘለዋን ምዃና`ዩ። ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎታት ግን ኣካታዒ`ዩ።

ብወገን መራሒ ቻይና ግን ቅድሚ ሎሚ `ውን ኣብ 2018 ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሑ ኔሩ`ዩ፡ ምስ ኣፍሪቃ ዲፕሎማሲያውን ኤኮኖሚያውን ምትእስሳር ንምሕያል ዝዓለመ ዑደት ምንባሩ`ውን ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG