ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ትራምፕ መርዚ ዝሓዘ ደብዳበ ዝለኣኸት ዜጋ ንልዕሊ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ


ደብዳበ ዝለኣኸት ክስስቲ
ደብዳበ ዝለኣኸት ክስስቲ

(ዋሽንግተን) ካናዳዊት ጓለንስተይቲ ናብ ፕረሲደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ራይስን ዝተባህለ መርዚ በደብዳበ ብምልኣኻ ንዳርጋ 22 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ። እቲ ደብዳበ፡ ትራምፕ ፕረዚደንት እንከሎ ናብ ዋይትሃዋስ `ዩ ተላኢኹ።

ጓል 56 ፓስካል ፈሪየር ናብ ትራምፕን ሰበ-ስልጣን ቴክሳስን ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳብ ሕጊ ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር ብምጥሓስ ዝተኸሰሰት ክትከውን ከላ ንሳ`ውን ነቲ ገበን ምፍጻማ ተኣሚና`ላ።

ጠበቓኣ ኡጂን ኦም፡ እታ ሰበይቲ ካብ ፈረንሳ ዝገዓዘትን ብምህንድስና ካልኣይ ዲግሪ ሒዛ ክልተ ቆልዑት ዘዕበየት ንጽል ኣደ ምዃናን ተዛሪቡላ ኔሩ።

ኣብቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስኣ ዝተገብረ ናይ ምእማንን ዘይምእማንን ውዕል ብይን፡ እታ ሰበይቲ ን262 ኣዋርሕ ክትእሰር ድሕሪኡ ማእሰርታ ምስ ወደአት ግን ካብዛ ሃገር ክትወጽእ ዳኛ ፈሪዱዋ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG