(ዋሽንግተን) ኣብ ሰሜናዊ ወገን ናይታ ርእሰ-ከተማ ማለዥያ ዝዀነት ኩዋላ-ሉምፑር ሓንቲ ነፋሪት ኣብ ጽርግያ ወዲቓ ድሕሪ ምሕምሻሻ ብውሑዱ 10 ሰባት ምማቶም ሓላፊ መርማሪ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ ሰብ-መዚ፡ ሸሞንተ ካብቶም ግዳያት ኣብታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም ክልተ ድማ ኣብ መሬት ዝነበሩ’ሞ ድሕሪ ምውዳቓ ዝተሃርሙ’ዮም።
ሰብ-መዚ ኣቪየሽን እታ ሃገር ምኽንያት ምውዳቕ ናይታ ካብ ደሴታት እታ ሃገር ተበጊሳ ናብ ርእሰ-ከተማ ዓሊማ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ኣብ ምጽራይ ከም ዘለዉ ሓቢሮም። እታ ነፋሪት ክትዓለብ ኣብ እትቀራረበሉ እዋን’ያ ርክብ ኣጥፊኣ፡ ኣብ ጽርግያ ተሓምሺሻ።
ቅጥዒ