ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ድሕሪ ነውሲ-ወከፍ ክሲ ትራምፕ ድጋፍ ይውስኽ" ህዝባዊ ዳህሳስ


ተደራራቢ ክስታት ዝቐርቦም ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ
ተደራራቢ ክስታት ዝቐርቦም ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዚደንት ነበርን ንደምበ ርፓብሊካውያን ሕጹያት ይመርሑን ዘለዉ ዶናልድ ትራምፕ፣ ሓድሽ መዝገብ ክሲ ብዝተኸፈተሎም ቍጽሪ፣ ኣብ ደገፍቶም ዝነበሮም ተቐባልነት እናሓየለ ይመጽእ ከምዘሎ ህዝባዊ ርእይቶ ዘተኣኽቡ ትካላት ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብዚ ቅነ’ዚ፡ ዓቃቢ ሕጊ ጂርጅያ ፋኒ ዊልስ፡ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምልዋጥ ፈቲኖም ዝብል ዝተፈላለዩኣርባዕተ ክሲታት ኣትሒዛ ኣላ።

ኣብ’ዚ ቀረባ ርእይቶ ዝሃቡ ትራምፕ ግና ነቶም ክሲታት ‘መስሓቕ’ ክብሉ ነጺጎምዎ።

ኣሶሴትድ ፕረስን ኖርክ ማእከል ርክባትን ብመሰረት ዘካየድዎ ሓባራዊ መጽናዕቲ፡ 74 ሚእታዊ ርፓብሊካውያን፡ ንትራምፕ ክንመርጽ ኢና ክብሉ እንከለዉ፣ ካብ ኣመሪካውያን ድማ 53 ሚእታዊ ንትራምፕ ኣይንድግፍን በሃልቲ ኮይኖም ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG