ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳፋሪኮም፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ጀሚሩ


SAFARICOM-RESULTS/
SAFARICOM-RESULTS/

(ዋሽንግተን) ኩባንያ ኬንያ ሳፋሪኮም፣ ኣገልግሎት ምቅብባል ገንዘብ ብሞባይል ቴለፎን ኤም-ፒሳ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ትማሊ ረቡዕ ብወግዒ ጀሚሩ።

እዚ ተበግሶ’ዚ፣ ቴለኮምኒኬሽን ኬንያ፣ ኣብ’ታ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ካብ ዝዓበየ ቁጠባ ዝውንና ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ሃገር፣ ዕብየቱ ንምቅልጣፍ ከምዝሕግዝ ተገሊጽ።

ገለ ክፋሉ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ቮድኮም ከምኡውን ብእንግሊዛዊ ቮዳፎን ዝውነን ኩባንያ ሳፋሪኮም፣ ኣብ’ታ ሃገረ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣገልግሎት ድምጺን ኔትዎርክ ዳታን ዓሚ ከምዝጀምረን ዛጊድ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዓማዊል ከምዘለውዎን እቲ ዜና ጠቂሱ።

ኩባንያ ሳፋሪኮም ካብ ኢትዮ-ቴለኮም ሓያል ንሕንሕ ይጽበዮ ኣሎ። ኢትዮ-ቴሌኮም መኽሰቡ ብኽልተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸን፣ ክሳብ ሓምለ ኣብ ዝነበረ ጊዜ ልዕሊ 34 ሚልዮን ዓማዊል ተጠቀምቲ ሞባይል ገንዘብን ብመልክዕ ቴለብር ከምዘንቀሳቅስ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG