(ዋሽንግተን) ኣቦ-መንበር ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሙሳ ፋኪ ማሃማት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እቲ ውድብ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ጎንጺ ኣዝዩ ከም ዝተሻቐለ ገሊጹ። እቲ ኮሚሽነር ኣብ መግለጺኡ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንመሬታዊን ቅዋማዊን ልኡላውነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘለዎ ተሪር መርገጺ ድሕሪ ምምልካት፡ ነዚ ንምውሓስ ድማ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ በበይኖም ኣካላት ንውሕስነት ሲቪላውያን ዜጋታት ከቕድሙን ጎንጺ ከዕርፉን ጸዊዑ።
እቲ ኮሚሽነር፡ ክልተ ኣካላት ብልዝብን ሰላማዊ መንገዲን ፍልልያቶም ክፈትሑን ኣድላዪ እንተዀይኑ ድማ ኣብ ምውሓስ ሰላም ውድቡ ምትሕብባር ክገብር ቅሩብ ምህላዉን ኣመልኪቱ።
ቅጥዒ