ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓያሎ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ይሃድኣ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

(ዋሽንግተን) ኣብ ዝሓለፈ ቅኒያት ግጭት ተፈጢሩወን ኣብ ዝነበራ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናብ ንቡር ሰላማዊ ምንቅስቓሰን እናተመለሳ ምዃነን ቪኦኤ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።

ዋና ከተማ እቲ ክልል ኣብ ዝኾነት ባህር ዳር ሓዊሱ ኣብ ከተማታት ጎንደር፣ ፍኖተ ሰላም፣ ሸዋ ሮቢትን ካልኦት ግጭት ዝነበረ ከተማታትን ሎሚ ትካላት ንግዲ ምኽፋቶ ኣገልግሎት መጎዓዚያ ምጅማሩን ሰላማዊ ሃዋህው ምህላውን ረድዪ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ተዛሪቦም።

ሽሞም ከይጥቀስ ዝሓተቱ ሓደ ነባራይ ባህር ዳር ሎሚ ኣብታ ከተማ ምሉእ ብምሉእ ብዝብሃል ደረጃ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ገሊፆም።

ካልእ ነባራይ ከተማ ጎንደር ዝኾኑ ወሃቢ ርእይቶ ድማ ካብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝሓሸ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ብምህላው ናይ ንግዲ መደብራት ተኸፊቶም ምርኣዮምን መንግስታዊ ወሃብቲ ኣገልግሎት እውን ስራሕ ከምዝጀመሩ ገሊፆም። ኣገልግሎት ኢንተርኔት ስለዘይተኸፈተ ግን ናብ ቤት ፅሕፈት ኣትዮም ስራሕ ንምስራሕ ከምዝተፀገሙ ወሲኾም ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ መኪና ተፃዒኖም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ መናእሰይ ብድሮን ከምዝተፈፀመ ዝተገለፀ መጥቓዕቲ 26 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 50 ዝኾኑ ሰባት ምቑሳሎምን ምፅብፃብና ይዝከር።

ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ሰላም ንምሕታት ናብ ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ ስለኪ ተደዊሉ ኣይተልዓለን።

እቲ ግጭት ኣብ ናይቲ ክልል ልምዓትን ቁጠባን ተፅዕኖ ምፍጣሩ ናይቲ ክልል ጉዳያት ምምሕዳር ኣተሓባባሪ ኣቶ ሰማ ጥሩነህ ንናይቲ ክልል መራኸቢ ብዙሃን ተዛሪቦም ኣለዉ ይብል ፀብፃብ ኣስቲአር ምስጋናው ካብ ባህር ዳር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG