(ዋሽንግተን) ኣብ መንጎ ተፃባእቲ ሚሊሻ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ዘጋጠመ ደማዊ ግጭት ሲቪላውያን ሰባት ካብቲ ህውከት ከይወፁ ተቐርቂሮም ይርከቡ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ትማሊ ሰሉስ ገሊፆም። ኣብቲ ንኸተማ ትሪፖሊ ዘናወጸ ግጭት ኣርባዕተ ሰባት ምማቶም ተፈሊጡ ኣሎ።
እቶም ዝሞቱ ሚሊሻ ዲዮም ወይስ ሲቪላት ግን ንፁር ኣይኮነን ክብል ሓደ ብዓል ስልጣን ገሊፁ ኣሎ።
እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ሚሊሽያታት ብርጌድ 444 ን ፍሉያት ናይ መኸተ ሓይልን እዩ ተዪይዱ ብመሰረት ፀብፃባት ከባቢያዊ ሚዲያታት። እቲ ወጥሪ ዝተልዓለ ላዕለዋይ ኣዛዚ ብርጌድ 444 ማሕሙድ ሃምዛ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ትሪፖሊ በቲ ተነሓናሒ ጉጅለ ምስ ተትሓዘ ምዃኑ ፀብፃባት ይገልፁ።
ትማሊ ሰሉስ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ ውግእ ተዋጋእቲ ሓይልታት ቁሱላት ናብ ዘለውዎም ከባቢታት ኣቡላንሳት ክኣትዋ ክፈቕዱ ሚንስትሪ ጥዕና ከተሓሳስብ ውዒሉ ኣሎ።
እቲ ውግእ ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ዘይምርግጋእ ስዒቡ እዩ ዝመፅእ ዘሎ። ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሊብያ ነቲ ናይ ፀጥታ ኩነታትን ምዕባሊኡን ይከታተሎ ከምዘሎ ብምሕባር እቲ ዝቐፀለ ግጭት ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ፀዊዑ።
ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ምምሕዳራት ሊብያ ትማሊ ሰሉስ በበይኖም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ነቲ ውግእ ኮኒኖምዎ ኣለዉ።
ልኡኻት ኣመሪካን ብሪጣኒያን ኣብ ሊብያ ብዛዕባ እቲ ህውከት ስግኣቶም ብምግላፅ መግለፂ ኣውፂኦም ኣለዉ።
ቅጥዒ