ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ርእሰ-ከተማ ሀይቲ ኵሉ ገዲፎም ይሃድሙ


ነበርቲ ርእሰ-ከተማ ካብ ጎንጺ ጭፍራ ዓዋሉ ንምድሓን ክሃድሙ ይርኣዩ። (ስእሊ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ
ነበርቲ ርእሰ-ከተማ ካብ ጎንጺ ጭፍራ ዓዋሉ ንምድሓን ክሃድሙ ይርኣዩ። (ስእሊ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ

(ዋሽንግተን) ኣብ መንጎ ጭፍራ ዓዋሉ፡ ንዝበዝሕ ስፍራታት ርእሰ-ከተማ ፖርቶ-ፕሪንስ ናይ ሀይቲ ንምቍጽጻር ብዝተጋደደ ግጭት፡ ስድራቤታት ብዝረኸቡዎ ኣገባባት መጓዓዝያ ካብታ ከተማ ንምውጻእ ይጓየዩ ከም ዘለዉ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ገለ ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ወገናት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣብ መንጎ ውሑዳት ሓይሊ ፖሊስን ጭፍራ ዓዋሉን ክካየድ ዝጸንሐ መጥቃዕታት ብዓወት እቶም ዓዋሉ ስለ ዝተዛዘመ፡ ዜጋታት ፍጹም ውሕስነት ከም ዘይብሎም ተዛሪቦም።

ከም ጸብጻብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት 80% እታ ርእሰ-ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዓዋሉ’ያ ዘላ። ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ዛጊት 190-ሽሕ ህዝቢ ገዛውቶም ሓዲጎም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ፡ ሃገራት ዝከኣለን ሓይሊ ፖሊስ ክልእካ ምሕጽንታ ምቕራቡ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG