ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃዋይ፤ ግዳያት ባርዕ ሓዊ ንምልላይ መስርሕ ይጅምር


ንድሕነትን ኩነታት ምግምጋምን ዝመጽኡ ሓይሊ
ንድሕነትን ኩነታት ምግምጋምን ዝመጽኡ ሓይሊ

(ዋሽንግተን) ግዳያት ባርዕ ሓዊ ሃዋይ ንምልላይ ዝሕግዙ ክኢላታት ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከተማ ማዊ ኣትዮም፡ መስርሕ ምልላይ ሬሳታት ከም ዝጀመሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ሓቢሩ። በቲ ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ላሃይና ንሰሙን ምሉእ ዝቐጸለ ባርዕ ዝሞቱ ብዝሒ ግዳያት 106 በጺሑ ኣሎ።

ካብቶም ዝሞቱ ነባሮ ድሮ ክልተ መንነቶም ተለልዩ ስሞም ብወግዒ ተገሊጹ ኣሎ።

ናይቶም ዝቕጽሉ ኣስማትን መንነትን ድማ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት፡ ድሕሪ ዘድሊ መርመራ፡ ክንገር ምዃኑ ኣማሓዳሪ ክፍለ-ሃገር ሃዋይ ጆሽ ግሪን ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ባይደን በዓልቲ ቤቱን ጂልን ናብ ከተማ ማዊ ንምብጻሕ መዲቦም ከም ዘለዉ ኣማሓዳሪ ግሪን ጠቒሱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG