ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንምሕደራ ሓድሽ ክልል--ምብራቕ ቦሮና--ተቓውሞ ይቕጽል


Ethiopia Communication Minister Logo
Ethiopia Communication Minister Logo

(ዋሽንግተን) ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ብናይ ቀደም ክልል ኣብ ትሕቲ ዞባ ጒጂ ዝነበረ ወረዳ ጎሮ ዶላ፡ ናብ ዞባ ምብራቕ ቦረና ምኽላሉ ብምቅዋም ዝተላዕለ ህውከት ቀጺሉ'ሎ ክብሉ ነበርቲ'ቲ ወረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣብታ ወረዳ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ስራሕ ጠጠው ካብ ዘብሉ 45- መዓልታት ኮይኑ'ሎ ዝብሉ እቶም ነበርቲ፡ ጸገም ወረዳ ጎሮ ዶላ ንዝሓለፈ 6- ኣዋርሕ ኣቢሉ መፍትሒ ብዘይምርካቡ ሕጂ መሊሱ ተጋዲዱ'ሎ ክብሉ ወሲኾም።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ጎሮ ዶላ ኣቶ ጌቱ ጩሉቄ ብወገኖም ኣብታ ወረዳ ዝተኸሰተ ውጥረት ከም ዝቐጸለን ካብ ኣመራርሓ'ቲ ወረዳ ወጻኢ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዘቋርጻ ወርሒ ከምዝሓለፈን ገሊጾም።

ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ቢሮ ኮሚኒከሽን ምብራቕ ቦረናን ክልል ኦሮምያን ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን ብመሰረት ጸብጻብ ጸሃይ ዳምጠው ካብ ኣዲስ ኣበባ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG