ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ክልል ደቡብ ካብ ገዛ ናይ ዘይምውጻእ ኣድማ ይገብሩ


Federal Map Ethiopia
Federal Map Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፡ ዞባ ከምባታ ጠምባሮ፡ ነበርቲ ከተማታት ዱራሜ ኣንጋጫን ዳንቦያን ትማሊ ካብ ገዛ ናይ ዘይምውጻእ ኣድማ ጌሮም።

እቶም ነበርቲ እተን ከተማታት ነዚ ኣድማ ካብ ገዛ ናይ ዘይምውጻእ ዝገበሩ፡ ሓዲሽ ኣብ ዝቐውም ማዕከላዊ ክልል ኢትዮጵያ ሎም ቅነ ተኻይዱ ንዝበልዎ ምደባ ኣብያተ ጽሕፈታት ፈጻሚ ስራሕ ኢ-ፍትሓዊ ብምባል ምዃኑ ገሊጾም'ለዉ።

ቤት ምኽሪ እቲ ዞባ'ዉን ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝገበሮ ህጹጽ ኣኼባ ነዚ ብምቅዋም ፌደራል መንግስቲ ጣልቃ ንኽኣቱ ወሲኑ። ውሳነኡ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ምልኣኹ ኣባላቱ ንቮኦኤ ብስልኪ ገሊጾም'ለዉ።

ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ኣብ ልዕሊ ውሳነ ቤት ምኽሪ እቲ ዞባ ኾነ ኣወዳድባ ካብ ዝተፈላለያ ዞባታት ንዝቐርብ ዘሎ ተቓውሞ ብዝምልከት ዛጊድ ዝበሎ ነገር የለን ብመሰረት ናይ ሃዋሳ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ዮናታን ዘብደዎስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG