ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሩስያ፤ ባርዕ ነትጒ 30 ቀቲሉ፡ 75 ኣቝሲሉ


ባርዕ መደበር ነዳዲ
ባርዕ መደበር ነዳዲ

ኣብ ሩስያ ደቡባዊ ሪፓብሊክ ዳግስታን ኣብ ሓደ መደበር ነዳዲ ዘይቲ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ነታጒ ሰለስተ ሰለስተ ቆልዑ ሓዊሱ ብውሕዱ 30- ሰባት ተቐቲሎም 75 ከኣ ቆሲሎም ክብል ሚኒስትሪ ህጹጽ ሓደጋ'ታ ሃገር ሎሚ ሰሉስ ኣፍሊጡ።

እቲ ነታጒ ዘጋጠመ ትማሊ ሰኑይ ለይቲ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ካብ ዝኾነት መካችከላ ውጽእ ኣብ ዝበለ ከባቢ'ዩ።

ኣብ ሓንቲ ኣብቲ መደበር ትጽገን ዝነበረት መኪና ዝጀመረ ባርዕ ሓዊ ናብቲ መደበር ነዳዲ ዘይቲ ተጋፊሑ ነቲ ነታጒ ከምዘልዓሎ ንሚኒስትሪ ህጹጽ ሓደጋ ብምጥቃስ መንግስታዊ ትካል ዜና ሩስያ ኣርኣይኤ (RIA) ሓቢሩ'ሎ።

ሰበ ስልጣን ሩስያ ኣብቲ ጉዳይ ምርመራ ገበን ጀሚሮም'ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG