ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕን ካልኦት 18 መሳርሕቱ ነበርን ኣብ ጆርጂያ ክሲ ተመስሪቱሎም


ነቲ ክሲ ዝመስረታ ኣኽባር ሕጊ ወረዳ ፉልቶን ጆርጂያ ዝዀና ፋኒ ዊልስ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃባ
ነቲ ክሲ ዝመስረታ ኣኽባር ሕጊ ወረዳ ፉልቶን ጆርጂያ ዝዀና ፋኒ ዊልስ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃባ

(ዋሽንግተን) ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ንውጽኢት ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ ክልውጥን ናዕቢ ከለዓዕልን ፈቲኑ ዝብል ክሲ ትማሊ ሰኑይ ከም ዝተመሰረተሎም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ኣብቲ 100 ገጻት ዝሓዘ ክስታት፡ ትራምፕን መተሓባብርቶምን ድምጺ ምርጫ ክግዕጽጹ፡ ንኣከየድቲ ምርጫ ክጸልዉ፡ ንኣገባብ መስርሕ ምርጫ ክልውጡ ፈቲኖም ዝብል ክስታት ቀሪቡሎም ኣሎ።

ካብ መንጎ’ቶም ምስ ዶናልድ ትራምፕ ክሲ ዝተመስረቶም፡ ኣብ እዋኑ ናይ ቤተ መንግስቲ ዋይትሃዋስ ዋና ምምሕዳር ዝነበረ ማርክ ሜዶውስ፡ ናይ ቅድም ጠበቓ ትራምፕን ኣማሓዳሪ ኒውዮርክን ሩድይ ጊሊያኒ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ክፍሊ ፍትሒ ዝነበረ ጀፈሪ ክላርክ ይርከቡዎም። ኵላቶም ንምርጫ ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ ኣብ ምልዋጥ ፈቲኖም ዝብል ክስታት’ዩ ተመስሪቱሎም ዘሎ።

ነቲ ክሲ ዝመስረታ ኣኽባር ሕጊ ፋኒ ዊልስ፡ ክሱስ ን25 ነሓሰ ባዕሎም ኢዶም ክህቡ ኣመልኪተን ኣለዋ። እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንኽውዳእ ክሰርሓ ምዃነን ድማ ሓቢረን።

ሕጋውያን ኣማኸርቲ ትራምፕ በቲ ክስታት ከም ዝተገርሙን ዝሰንበዱን ኣመልኪቶም። “መሰኻኽር ኰይኖም ዝቐረቡ ባዕላቶም ኣብቲ ምርጫ ዝወዳደሩ ዝነበሩን ሰብ-እጀታን’ዮም፡” ክብል ድማ እቲ ብቤት ጽሕፈት ትራምፕ ዝወጸ ምላሽ ይነጽግ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG