ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈጠሮ ሻቕሎት--ተመሃሮ ብኢዶም ንኽጽሕፉ?


Chat GPT + ClearCOGS for Restaurants
Chat GPT + ClearCOGS for Restaurants

ቻት-ጂፒቲን ካልኦት ውጽኢት ኣርተፊሻላዊ ብልሒን ዝዀኑን መሳርሒታት፡ ኣብ ኮለጃት፡ ተመሃሮ ዕዮ ገዛኦም ንምስራሕ ዝጥቀሙሎም ኣዝዮም ልሙዳት መሳርሒታት’ዮም። ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝነጠፉ፡ ንብልጫ እቲ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም፡ ንዝሓሸ ረብሓን ጥቕሚን ክውዕለሉ ዝኽእል መንገድታት ኣብ ምንዳይ ይርከቡ። እዚ ኣገባብ ግን ንገሊኣቶም ፈተና ብወረቐት ናብ ምውሃብ ክመልሶም ዝቀራረብ ዘሎ ይመስል። ብኢድ ዝተጻሕፈ ንድፍታት ናይቲ ዕዮ ክሓቱ ዝቀራረቡ ፕሮፈሰራት ኣለዉ። እዚ ተበግሶ ተመሃሮ ነቲ ዕዮኦም ባዕለቶም ሰሪሖሞ ከም ዝዀኑ ንምርግጋጽ ዝዓለመ’ዩ።

ካልኦት መምህራን ግን ተመሃሮ ክቐድሑ ንቡራን ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለን መስርሕ ስለ ዝዀነ፡ ሕጂ ዝተፈልየ ነገር ኣይርእዩሉን። ሕጂ መጺኡ ዘሎ ኣገባባት ነቲ ምቕዳሕ ከም ዘቃለሎ ብምእማን፡ እቶም መምህራን ማዕረኡ ክተዓጻጸፉን ንቕድሚት ክስግሙን ይጽበዩ።

ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈጠሮ ሻቕሎት--ተመሃሮ ብኢዶም ዕዮ ንምስራሕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:44 0:00

ውጽኢት ኣርተፊሻላዊ ብልሒ፡ ብሕልፊ እኳ ምስ ምምጻኣ ናይ ቻት-ጂፒቲ ኣብ ዓንኬላት ኣካዳሚ ሓደስቲ ሕቶታትን ኣጠማምታትን ኣምጺኡ’ዩ። ኣብዚ መደይ ብዙሕ ዘካትዕ ኣርእስታት እኳ እንተሎ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝዋስኡ ግን ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን ነጥብታት ይሰማምዑ።

ፈለማ ኵላቶም ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፍጠሩ፡ ንምቕዳሕ ዝሕግዙ መሳርሒታት ዘተኣማምኑ ዘይምዃኖም’ዮም። ንኣብነት እቲ ሓደ ስራሕ ስራቕ እንተዀይኑ ኮለጃት ንመፍለዪ ዝጥቀምሉ ተርን-ኢት-ኢን (Turnitin) ኣተኣማምኒ ዘይምዃኑ’ዩ። እዚ መሳርሒ ብሰብ ንዝፈረየ ምቕዳሕ ኣብ ምልላይ ብልጫ እኳ እንተለዎ፡ ንስራሓት ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ኣብ ምፍላይ ግን ሃጓፋት ኣለዎ።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ተመሃሮ ብዘይ ወዓሉዎ ካብ ቻት-ጂፒቲን ካልኦት መሳርሒታትን ቀዲሕኩም ተባሂሎም ክውንጀሉ ዘለዎም ተኽእሎ’ዩ።

ስለዚ እቲ ናይ ሓባር መሰመምዒ ተበጺሑ ዘሎ ርድኢት፡ ተመሃሮ ባዕላቶም እንተ ዘይተኣሚኖም ቀዲሖምን ዘይቀዲሖምን ንምፍላጥ ዳርጋ ዘይከኣል’ዩ።

መምሃራን ኮለጅ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈሪ ገለ ወረቓቕቲ ንምፍላዩ ኣዝዩ ንጹር ምዃኑ ኣይስሕቱዎን። ኣብ ከምኡ ዝመስል እዋናት ብዙሕ ዘሻቕል የብሉን።

ገለ መመሃራን ንተመሃሮ ባዕላቶም መታን ንኸፍርዩ በበይኑ ብልሓታት ኣብ ምንዳይ ይርከቡ። እቲ ቀንዲ ጻዕሪ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ንዝፈረየ ስራሓት ንምውጋድ ስለ ዝዀነ፡ ከም ዘይስገር ቀይሕ መስመር፡ ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ (ሲለበስ) ከቐምጡዎ ግድን’ዩ። ካብኡ ሰጊሮም ገሊኣቶም ከም ውጽኢታዊ ኣገባብ ዝሓስቡዎ ድማ ንተመሃሮ ኣብ ውልቃዊ ተመኵሮኦምን ውልቃዊ ታሪኾምን ጸቒጦም ክሰርሑ ድፍኢት ምግባር’ዩ። ኣብ ውልቃዊ ተመኵሮ ጸቒጥካ ምስራሕ ካብቲ ብማሺን ዝዳሎ ዕዮ ዝፍለ ውጽኢት ክህብ ግድን’ዩ። ውልቃዊ ተመኵሮ ነፍሲ-ወከፍ ተመሃራይ ብማሺን ክፈሪ ዘለዎ ተኽእሎ ንኡስ ምዃኑ እቶም ነዚ ሓሳብ ዘበግሱ ዘለዉ መምሃራን ይምጕቱ።

ብማሺን ዝተሰርሐ ዕዮ ወይ ድማ ኣገባብ ኣሰራርዓ ኣርተሻላዊ ብልሒ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ገለ መመህራን ነቲ ናይ ምቕዳሕ ስክፍታ ከወግድሉ ዝኽእሉ ብልሓት’ውን ኣለልዮም ኣለዉ። ገለ ካብቲ ኣገባብ ነቲ ማሺን ክትህቦ እትኽእል መልሲ ኣብ ግምት ብምእታው ሕቶታት ብምቕያር’ዩ። ንኣብነት ይብሉ እቶም ነዚ ሓሳብ ዘቐድሙ ዘለዉ፡ “ንኣብነት ንኸምዚ ምኽንያት ድፍኢት ዝዀኑ ነጥብታት ብኣርባዕተ ምሉኣት ሓሳባት ዘርዝሩ፡” ኢልካ ምስ እትሓትት፡ ተመሃሮ ከም ዘለዎ ካብ ማሺን ክግልብጡ ከም ዝኸብዶም ይዛረቡ።

ሰብ-ሰራሕ ብልሒ ዝፈጠረን ማሺናት ንሓንቲ ሕቶ፡ ዓሰርተታት ዝኸውን ገጻት ዝኸይድ መልሲ’የን ዝህባ። ስለዚ ንጹርን ኣዝዩ ሓጺርን እሞ ድማ ኣብ ክንዲ ዝርዝራት ንምኽንያት ድፍኢት ዝዀነ ምስ እትሓትት፡ ናይ ማሺን መልሲ ከም ዘይበቕዖ ድማ ካብ ተመኵሮ ይገልጹ።

ካልኦት መምህራን ድማ እቲ ፍታሕ ኢሎም ዝሓሰቡዎ ናብ ናይ ኢድ ጽሑፍ ምምላስ’ዩ። ተመሃሮ ንዕዮ ገዛኦ ብኢድ ኣብ ወረቐት ጽሒፎም ከረክቡ ይምድቡ ኣለዉ። እዚ ኣገባብ ናብቲ ቅድሚ ምምዕባል ኮምፕዩተር ዝነበረ እዋን ዝመልስ’ዩ። እንተዀነ፡ እዚ ኣገባብ ነቲ ብማሺን ንዝፈሪ ምቕዳሕ ብመጠኑ ከጓድሎ ከም ዝኽእል ይምጉቱ። ካልእ እንተ ተረፈስ ተመሃሮ ከም ዘለዎ ቀዲሖም ኣይክድርብዩን’ዮም። ኣብ ምጽሓፍን ዳግመ-ምትዕርራይን ነቲ ሓሳባት ብግቡእ ከስተማቕሩዎ ከም ዝኽእሉ ድማ ይኣምኑ። ዝበዝሕ ዕዮታት ኣብ ክንዲ ኣብ ገዛ ምስራሕ ኣብ ክፍሊን ኣብ ቅድሚ እቶም መምሃራን ብዝፈሪ ስራሓት ምምዛን ነቲ ናይ ምቕዳሕ ተርእዮ ከም ዘጓድሎ ይሕብሩ። ነዚ’ውን ክደፍኡሉ ምዃኖም እቶም መምሃራን ይዛረቡ።

ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ግን ንመምሃራን ጥራይ ኣይኰነን ዘሰክፍ ዘሎ። ባዕላቶም ንዝሰርሑ ተመሃሮ ብዘይ ወዓሉዎ ቀዲሕኩም ተባሂሎም ክውንጀሉ ተደጋጋሚ ይርአ ኣሎ። ብዙሓት መምህራን እቲ ብማሺን ተሓጊዝካ ዕዮ ምስራሕ ኣብ ተመሃሮ ከም ንቡር ስለ ዝርእዩዎ፡ በዚ ርድኢት ነቶም ባዕላቶም ዝሰርሑ’ውን ብጌጋ ደጋጊሞም ክውንጅሉ ይርአ።

ምስ ግዜን ካልእ ምዕባለ ቴክኖሎጂን ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ዝረክብ፡ ውጺእት ኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝዀነ መሳርሒታት ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣከራኻሪ ምዃኑ ክቕጽል’ዩ--ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG