ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ብመጥቃዕቲ ድሮናት 26 ሞይቶም" ሰብ-መዚ ጥዕና ፍኖተ ሰላም


Ethiopia Regional Clashes
Ethiopia Regional Clashes

(ኣዲስ ኣበባ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ብውሕዱ 26 ሲቪላውያን ሰባት ብመጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተቐተሉ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣፍሊጦም። እቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም፡ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከም ዝተፈጸመ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ሆስፒታል ፍኖተ ሰላም ዝሰርሕ ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ሓኪም ክገልጽ ከሎ “ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ሞይቶም ኣለዉ ግን ጽጹይ ቁጽሪ የብልናን-ናብዚ ዝመጹን ዝሞቱን ግን ከባቢ 26`ዮም፡" ኢሉ።

ብሰንኪ ምዕጻው መተሓላለፊ መስመራት ከም ኦክስጅን ዝበለ ኣገዳሲ ቀረባት ሕክምና ናብቲ ሆስፒታል ክበጽሕ ከምዘይክኣለ እቲ ሓኪም ፍኖተ ሰላም ንቪኦኤ ተዛሪቡ`ሎ። ብመጥቃዕቲ ድሮን ንዝቖሰሉ ንምሕካም ይጽገሙ ከምዘለዉ`ውን ኣሰሚዑ`ሎ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፍኖተ ሰላም ኣብ ቡረን ደብረ ብርሃንን ደብዳብ ከም ዝነበረ ተኣማኒ ሓበረታ ኣለኒ ክብል መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ። ከምኡ`ውን ኣብ ባህርዳር ሲቪላት ንማህረምትን ቅትለትን ከምዝተቓልዑ ሓቢሩ`ሎ - ከም ጸብጻብ ወኪል ቪኦኤ ማያ ሚስክር።

XS
SM
MD
LG