ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፤ ኣልቡርሃን ንመቀናቕንቱ ብገበናት ኲናት ይኸስስ


ስእሊ ፋይል፡ ወታህደራዊ ኣዛዚ ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን
ስእሊ ፋይል፡ ወታህደራዊ ኣዛዚ ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን

(ዋሽንግተን) ኣዛዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን፡ ነቶም ኣንጻሩ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብቲ ድጋፍ ብገበናት ኲናት ከሲስዎም። ሳሕቲ ኣብ ቴለቪዥን ወጽዩ ዝዛረብ ጀነራል ዓበደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ነቶም ብመሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ብተግባራት ገበናት ኲናት ክኸሶም ተሰሚዑ`ሎ። “ገበናት ኲናት እናፈጸምካ ከመይ ጌርካ ደሞክራሲ ከምጽእ`የ ዝቃለስ ትብል?" ክብል ይኸስስ ኣል-ቡርሃን። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ ንክልቲኦም ወገናት ብገበናት ኲናት ክኸሶም ጸኒሑ`ዩ - ሽሕ`ኳ መብዛሕቲኡ እቲ 56 ገጽ ሪፖርት ነቶም ህጹጽ ወሃብቲ ድጋፍ ሓይልታት ተሓተቲ ዝገብር እንተኾነ።

ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኲናት ናብ ደቡባዊ ዳርፉር`ውን ተጋፊሑ ሲቪላት ግዳያት ኮይኖም`ዮም ከም ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ። ኣብ ዳርፉር ሓድሽ ገበናት ኲናት ይፍጸም ኣሎ እንተኾይኑ`ውን የጻርዮ ከም ዘሎ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዘቝጸረ ግጭት ሱዳን ንርእሰ ከተማ ካርቱም ናብ ዓውደ ኲናት ቀይርዋ`ሎ። ከም ጻብጻብ ሕቡራት ሃገራት ዛጊት ልዕሊ 2 ሚልየን ሰባት ካብታ ከተማ ወጺኦም ሃዲሞም ኣለዉ። ሞት ሲቪላት ድማ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ በጺሑ`ሎ።

ማሕበራዊ ሚድያ `መታ` ንኣካውንት ንሓይሊ ህጹጽ ድጋፍን ኣዛዚኡ ዳጋሎን ከም ዘደስከሎ ኣፍሊጡ`ሎ - ንፖሊሲ ሓደገኛ ትካላትን ውልቀውሰባትን ብምጥሓስ ብዝብል። ዳጋሎን ሓይሉን ኣብቲ ቅድሚ ሎሚ ትዊተር ዝብሃል ዝነበረ ሕጂ ኤክስ ዝብሃል ማሕበራዊ ሚድያ ግን ገና ንጡፍ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG