ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃዋይ ንግዳያት ባርዕ ሓዊ ተናዲ፣ ትሓዝን


ብባርዕ ዝዓነወት ከተማ ለሃይና
ብባርዕ ዝዓነወት ከተማ ለሃይና

(ዋሽንግተን) ብሃማዂ ባርዕ ሓዊ ኣብ ህይወት ሰባትን ከባቢን ዝወረደ ምሉእ ዕንወት ዛጊድ ኣይተፈለጠን። ዝሞቱ ሰባት ንምድላይ 20 ኣኽላባትን ዓሰርተታት ሰባትን ሓሙኽሽቲ ናብ ዝኾኑ መንበሪታት ብምኻድ ንዝተቓፀላ መካይንን ገዛውትን ክፍትሹ እዮም።

ዛጊድ ማሟቶም ዝተረጋገፁ 96 ሰባት እንተኾኑ፡ እዚ'ውን ኣብ ውሽጢ ልዕሊ ሓደ ክፍለ ዘመን ኣብ ታሪኽ ባርዕ ኣሜሪካ እቲ ዝኸፍአ ኮይኑ ኣሎ።

ምምሕዳራዊ ከባቢ ማዊ ትማሊ ምሸት ሰንበት ከምዝገለፆ ንታሪኻዊት ከተማ ላሃይና ዘዕነወ ባርዕ ሓዊሱ ክልተ ባርዓት መሊኦም ከምዘይጠፍኡ ኣፍሊጡ። እቲ ባርዕ ኣብ ዝጠፍአሎም ከባቢታት እንተኾነ እውን መርዛም ጋዛት ክህልዉ ስለዝኽእሉ ዝስተ ማይ ሓዊሱ ውሑሳት ኣይኮኑ ክብሉ ሰበስልጣን የጠንቅቑ ኣለዉ።

ዝሓለፈ ሰሉስ ዝጀመረ ባርዕ 13,000 ሰባት ኣብ ዝነብሩላ ታሪኻዊት ከተማ ዳርጋ ሕድሕድ ህንፃ ብዝብሃል ብርኪ እዩ ኣዕንዩ። 85 ሚእታዊት እቲ ባርዕ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ከባቢያዊ ምምሕዳር ገሊፁ። ኣብ ወሰና ወሰን እታ ከተማ ዘሎ ባርዕ ድማ 60 ሚእታዊት ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ኣሎ።

ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ሃዋይ ጆሽ ግሪን ናይቲ ከባቢ ካርታ ብምሓዝ ‘’ኣብቲ ከባቢ ዝተረፈ የለን፡’’ ኢሎም።

ምኽኒያት ናይቲ ባርዕ ብዝምልከት ምርመራ ይካይድ ኣሎ። ዝተውሃበ ግብረ መልሲ ዝምልከት እውን ምርመራ ክግበረሉ እዩ። ጠፊኡ ዝተብሃለ ሓደ ባርዕ መሊሱ ዝደገሰሉ ኣጋጣሚ ሓዊሱ ምርመራ ክግበር እዩ ኢሎም ሰበስልጣን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሰበ-ስልጣን ሃዋይ ተመዛበልቲ ዘዕቍቡሉ 500 ክፍልታት ሆቴል ተዳሊዮም ኣለዉ ኢሎም። ካልእ ተወሳኺ 500 ክፍልታት እውን ንሰራሕተኛትት ምክልኻል ሓደጋ ፌደራል ድልዊ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG