ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፤ ብምኽንያት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣማኢት ተወላዶ ኣምሓራ ይእሰሩ


Ethiopia Regional Clashes
Ethiopia Regional Clashes

(ዋሽንግተን) ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ድሕሪ`ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኣወጁዎ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣማኢት ሰባት ምልባት`ውን ኣሻሓት ሰባት ከም ዝኣሰሩ ጠበቓታትን መሰኻኽርን ይገልጹ`ለዉ። እቲ ህጹጽ እዋን ዝተኣወጀ፡ ከባቢያ ዕጡቕ ሚልሻ ንብርክት ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ድሕሪ ምቁጽጻሩ`ዩ- ሽሕ`ኳ እተን ከተማታት ድሒረን ናብቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ እንተ ተመለሳ። ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ነቲ ህጹጽ ድምጺ ክህበሉ ትጽቢት ይግበር ኣሎ።

ኣብ ግዜ ኲናት ትግራይ ህጹጽ ኣዋጅ ኣብ ተኣወጀሉ እዋን፡ ዓሰረታት ኣሸሓት ተጋሩ ኣብ ምልእቲ`ታ ከተማ ከም ዝተገፈፉ ይዝከር`ዩ። ሕጂ ድማ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ኣምሓሩ ሰፊሕ ማእሰርቲ ይፍጸም ከም ዘሎ፡ ብመንግስቲ ዝተመዘዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሎሚ ሰኑይ ኣሰሚዑ`ሎ። ሰበ-ስልጣን ነቲ ማእሰርቲ ጠጠው ከብልዎ`ውን ጸዊዑ`ሎ። ተሓለቕቲ ብወገኖም፡ ኣምሓሩ ዒላማ ይኾኑ ከም ዘለዉ ይዛረቡ`ለዉ። ሕነ ከይፍደዮም ብምስጋእ ሽሞም ክገልጹ ዘይደለዉ ክልተ ጠበቓታት፡ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ `ውን ይትግበር ከም ዘሎን፡ ተጠርጠርቲ ካብ ጽርግያታት ተወሲዶም ኣብ መደበር ፖሊስን ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ካልኦት ማእከላትን ይዳጎኑ ከም ዘለዉ ኣፍሊጦም።

ፈደራል መንግስቲ ግን በቲ ህጹጽ ኣዋጅ 23 ሰባት ጥራይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ኣፍሊጡ`ሎ። “ብዘይካ `ቶም 23 ሰባት ካልእ ዝኣሰርናዮ የለን፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ ይፍጸም ኣሎ ተባሂሉ ዝዘውር ዘሎ ሓበረታ ሓቂ ኣይኮነን" ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵይ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ--ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ'ዩ።

XS
SM
MD
LG