ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ተዛማዲ ርግኣት ይርአ፣ ሓያሎ ሃገራት ስክፍታአን ይገልጻ


FILE PHOTO: A general view of the skyline of Addis Ababa
FILE PHOTO: A general view of the skyline of Addis Ababa

(ዋሽንግተን) መንግስታት ኣውስትራልያ ጃፓን ኒው ዚላንድ ዓባይ ብሪጣንያ ከምኡ`ውን ኣመሪካ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተወልዐን ሞት ሲቪላትን ዘይምርግጋእን ዘስዓበን ግጭት ኣሻቒሉና`ሎ ዝብል ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም።

ከምኡ`ውን ልኡኻትን ኤምባሲታትን ሕብረት ኤውሮጳ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወልዐ ጎንጺ ዘተሓሳስብ`ዩ ድሕሪ ምባል መስመር ሰብኣዊ ሓገዝ ክፉት ክኸውን፡ ወጻእተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክወጹን እቲ ግጭት ናብ ካልኦት ክልላት `ውን ከይልሕም ምስትውዓል ክግበር ጸዊዖም።

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ርግኣት ክህሉ ምሕጋዙ ከም ዝቕጽል`ውን እቲ ናይ ሓባር መልእኽቲ የመልክት።

ኣህጉራዊ ኮሚሽን መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ እናሓመቐ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ`ሎ።

እቲ ኮሚሽን ኣብቲ መግለጺኡ ኩሎም ወገናት ንሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩን፡ ንፍልልያት ኣብ ክንዲ ብግጭት ብሰለማዊ ኣገባብ ምፍታሕ ከቐድሙን ጸዊዑ`ሎ።

ኣብ ናይ ሎሚ ውዕሎ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ሰለማዊ ሃዋህው ሰፊንወን ምውዓሉ ነበርቲ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብ ከተማ ባህርዳር መጠነኛ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ምንባሩን መጓዓዝያ ኣየር`ውን ምጅማሩን መሰኻኽር ዓይኒ ንቪኦኤ ገሊጾም። እንተኾነ ብሓይልታት ጸጥታ ሰብኣዊ ጥሕሰት ከምዝፍጸም ነበርቲ ይዛረቡ`ለዉ።

ኣብ ጎንደርን ሸዋ ሮብትን `ውን ሰለማዊ መንፈስ ምውዓሉ ወሃብቲ ርእይቶ ክዛረቡ ከለዉ፡ እንተኾነ ኣገልግሎት ዝህብ ሕብረተሰብ ካብ ስግኣት ከምዘይወጸ ይገልጽ ኣሎ። ብዛዕባ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ መረረት ካብ ወገን መንግስቲ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን።

XS
SM
MD
LG