ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ፤ ኣብ ልዕሊ ኣዘውተርቲ ሕደ-ጾታ ሃድን ይካይድ


Ethiopia TikTok LGBTQ
Ethiopia TikTok LGBTQ

(ዋሽንግተን) ሓይሊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ተግባራት ስጋዊ ርክብ ተመሳሳሊ ጾታ ኣብ ልዕሊ ዘተኣናግዳ ሆቴላት: ኣብያተ መግብን ባራትን ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ።

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ መግለጺኡ ኣብ ልዕሊ`ተን ርክብ ተመሳሳሊ ጾታ ዝርኣየለን ሆቴላን ባራትን ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ ኢሉ።

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ንርክብ ተመሳሳሊ ጾታ ገበን ዝገብር ሕጊ ከውጽኣ ጸኒሐን`የን። ከም ጋናን ኡጋንዳን ዝበላ ድማ ጽኑዕ ሕግን መቕጻዕትን ዝብይን ሕጊ ኣውጺአን ኣለዋ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ LGBT፡ ጎነጽን ካልእ ምክልባትን ስለዝሰግኡ ተሓቢኦም ከም ዝነብሩ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ቤት- ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ህዝቢ ብዝረኸቦ ሓበረታ ኣብ ልዕሊ`ተን ርክብ ተመሳሳሊ ጾታ ዝካየደለን ትካላት ስጉምቲ ይወስድ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። “ምስዞም ብሰብን ኣምላኽን ዝተጸየፈ ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ዝደናገጹ እንተሃሊዮም ስጉምቲ ክውሰዶም`ዩ ድሮ ውን ስጉምቲ ወሲድና ኣለና፡" ኢሉ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ፈስይቡክ ኣብ ዝጠቅዖ ስምዕታ።

ኣብ ኢትዮጵያ ርክብ ተመሳሳሊ ጾታ ብሕጊ ክልኩል`ዩ- እንተኾነ ዛጊት ተኸሲሱ ዝተፈርደ የለን- ገለ ምክልባታት ከም ተፈጸሞም ግን ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

XS
SM
MD
LG