ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባርዕ ሃዋይ 53 ሰባት ይቐትል፣ ኣስታት 1000 ደሃዮም የሎን


A view of flames near the ocean at the historic town of Lahaina
A view of flames near the ocean at the historic town of Lahaina

(ዋሽንግተን) ኣብ ኣመሪካ ክፍለ-ሃገር ሃዋይ ብዘጋጠመ ደምሳሲ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 53 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ኣስታት 1000 ደሃዮም ኣይተፈልጠን። ካብ መንጎ`ተን ልዕሊ ሸውዓተ ዝኾና ደሴታት ሃዋይ እቲ ባርዕ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣብታ ማዊ ትብሃል ዓባይ ደሴት ኮይኑ ኣብኣ ዝነበረ ታሪኻዊ መዘናግዒ ቦታ ከም ዘይነበረ ኮይኑ`ሎ ከም ሓበረታ ኣብታ ደሴት ዝበጽሐ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሃዋይ - ጃሽ ግሪን።

ሕጂ ኣብ`ታ ደሴት ዝግበር ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ናብቲ ቅድሚ ሓደጋ ዝነበሮ ክምለስ ቤት ጽሕፈት ቀረጽን ሓለዋ ዕዳጋን ሃዋይ ኣዘኻኺሩ ኣሎ። እቲ ናይ ዋጋ ድስከላ ካብ ዝምልከቶም ነገራት፡ መግቢ፡ ማይ፡ ሩዝ፡ ነዳዲ፡ ዘይቲ ብልዒ፡ ባተሪ ከምኡ'ውን ቀረባት ሕክምና ተጠቀስቲ`ዮም።

ኣብ `ማዊ` ትርከብ `ላሃይና` ትብሃል ታሪኻዊ መዘናግዒት ከተማ ናብ ሓሞኽሽቲ ተቐይራ`ያ ይብል ኣማሓዳሪ`ታ ግዝኣት ጃሽ ግሪን።

ሆቴላትን ወንንቲ ገዛን፡ ነቶም ቤት ንብረቶም ዝዓነዎም ዜጋታት ከዕቁቡዎም`ውን ጸዊዑ`ሎ- ግሪን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG