ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል 200 ሰባት ካብ ኢትዮጵያ ኣውጺኣ


Jews of Color Summer Camp
Jews of Color Summer Camp

(ዋሽንግተን) እስራኤል ካብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 200 ዜጋታታ ከም ዘውጸቶም ኣፍሊጣ። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ከም ዝሓበሮ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወልዐ ኲናት መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ዝኾኑ 204 እስራኤላውያን ገሊኦም ድማ ዜግነት ክወስዱ ዝኽእሉ ካብ ክልል ኣምሓራ ወጺኦም ኣለዉ።

"እቶም ዝወጹ ካብ ጎንደርን ባህርዳርን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ኣለዉ - ካብኡ ድማ እስራኤል ክኣትዉ`ዮም፡" ኢሉ ቀዳማይ ሚንስተር ነተንያሁ ብቪድዮ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ። መብዛሕትኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ፈላሻ ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣይሁድ፡ ዝበዝሑ ኣብ 80`ታትን 90`ታትን ዝወጹ`ኳ እንተኾኑ ገና ውሕድ ዝበሉ ኣብ ኢትዮጵያ ጸኒሖም`ዮም። እቶም ዝበዝሑ ግን ኣብ 1991፡ ብኦፐረሽን ሰሎሞን ዝወጹ 15 ሽሕ ኣይሁድ ምንባሮም ይዝከር።

ሽዱሽተ ከተማታት ክልል ኣምሓራ በቲ ኲናት ዝተተንከፋ ክኾና ኸለዋ፡ ኣብ ህይወት ሰብ ዝወረደ ክሳራ ንጹር ኣይኮነን። እንተኾነ ሆስፒታላት ብዙሓት ሲቪላት ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝቖሰሉ ይሕብራ`ለዋ። ንጋዜጠኛታት መንገዲ ስለ ዘይተኸፍተ ናጻ ዝኾነ ሓበረታ ንምርካብ ኣጸጋሚ`ዩ ዘሎ- ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ።

XS
SM
MD
LG