(ዋሽንግተን) ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ 27 ስደተኛታት ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጥቓ ምስ ቱኒስያ ዘዋስን ከባቢ ከምዝሞቱ ሰበ ስልጣን ሊብያ ገሊጾም።
ናይ ሊብያ ሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ፈይስቡክ ጽሑፍ፡ ኣስከሬን’ቶም ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ዶብ ከምዝተረኸበ ጠቒሱ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሊብያ መሓመድ ሃሞዳ ሞት’ቶም ስደተኛታት ኣረጋጊጹ ኣሎ፣ ጽጹይ ሓበሬታ ካብ ምውሳኽ ግና ተቖጢቡ’።
ኣብ’ዚ ቀረባ ኣዋርሕ፣ ሓይልታት ጸጥታ ቱኒስያ፣ ንገለ ስደተኛታት ከምዘባረርዎምን፣ ኣብ ጸው ዝበለ በረኻ ገዲፎምዎም ከምዝተመለሱን ሪፖርታት ምግላጾም ዝዝከር እዩ።
ሚኒስቴር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ቱኒስያ ‘ሒደት ስደተኛታት ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ፣ ናብ ቱኒስያ ንምእታው ከምዝፈተኑን፣ ናብ ጥቓ ዶብ ሊብያን ኣልጀርያን ንኽምለሱ ከምዝተገብረን’ ምጥቃሱ ኣሶሴትድ ፕረስ ገሊጹ ኣሎ።
ቅጥዒ