ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፤ ዝተቐብረ ነታጒ 6 ሰባት ይቐትል፣ 12 የቝስል


(ስእሊ ፋይል)
(ስእሊ ፋይል)

(ዋሺንግተን) ኣብ ሶማል ሎሚ ረቡዕ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መኪና ዝወረደ ሓደጋ ዝተቐብረ ቦምባ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝሞቱን 12 ካልኦት ከም ዝቖሰሉን ንኣመሓዳሪ ከባቢ ዝጠቐሰ ዜና ሓቢሩ።

ኣማሓዳሪ ታሕተዋይ ሸበሌ መሓመድ ኢብራሂም ባሬ ከም ዝገለጾ፡ እታ ሚኒባስ ካብ ከተማ ማርካ ናብ ቆርዮሌ ሲቪላት ኣሳፊራ ትጓዓዝ ከምዝነበረት ሓቢሩ።

ነቲ ሓደጋ ባዕለይ እየ ኣውሪደዮ ኢሉ ሓላፍነት ዝተረከበ ኣካል ዛጊድ ኣይተረኸበን። ባሬ ግና ንጉጅለ ኣልሸባብ ጠቂኑዎ ኣሎ።

ኣብ ሶማልያ ተጠባባቒ ሓላፊ ወካሊ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኪኪ ጌሆ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ‘ኣልሸባብ ሎሚ’ውን ስግኣት ሰላምን ርግኣትን ሶማልያ ኮይኑ ከምዘሎ’ ጠቒሶም እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG