(ዋሽንግተን) ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ሰሉስ ንጎንደር ሎሚ ረቡዕ ድማ ንላሊበላ ከም ዝተቖጻጸረ ነበርቲ ይሕብሩ`ለዉ። "ፋኖ" ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት`ቲ ክልል ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ካብተን ከተማታት ኣርሒቖሞ ኔሮም`ዮም-- ድሕሪ ኲናት ክልል ትግራይ ዝኸበደ ጸጥታዊ ቅልውላው ምዃኑ ይግለጽ።
ሕጂ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ህጹጽ ኣዋጅ ብምውጻእ ወተሃደራቱ ናብቲ ክልል ኣዋፊሩ`ሎ። ብዛዕባ`ዚ ርእይቶ ክህቡ ብሮይተርስ ዝተሓተቱ ወሃብቲ ቃል-`ቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምላሽ ኣይሃቡን። ሓደ ፋኖ ሚልሻ ግን እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብፍሉይ ሓይሊ ፓሊስን ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ሚልሻን ተሓጊዙ ካብ ከተማ ጎንደር ኣውጺኡና`ሎ ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ`ሎ። “ብርቱዕ ኩናት`ዩ ኔሩ፡ ንሶም ታንክታት ከይተረፈ እዮም ተጠቒሞም፡ ንሕና ግን ብካላሽንኮቭ ጥራይ ኢና፡" ኢሉ ሽሙ ከይገለጸ።
ሓደ ከባቢያዊ በዓል-ስልጣን ጎንደር`ውን እቲ ሰራዊት ዳርጋ ተቖጻጺርዋ`ዩ ኢሉ። ላሊበላ `ውን ከምኡ ሎሚ ከም ዝተቖጻጸሩዋ ነበርቲ ሓቢሮም ኣለዉ። ብዛዕባ ኣብቲ ተዅሲ ዝወረደ ክሳራ ምሉእ ሓበረታ የለን። ነበርቲ ላሊበላ ግን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣብ ዝነበረ ውግእ፡ ልዕሊ 10 ተዋጋእቲ ከም ዝሞቱ ይገልጹ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ብሰንኪ`ቲ ኩናት ኣቋሪጽዎ ዝቐነየ ናብ ጎንደርን ባህርዳርን ዝገብሮ በረራ ጽባሕ ሓሙስ ከም ዝቕጽሎ ኣፍሊጡ`ሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከቡ ህጻናትን ኣዴታትን ረድኤት ንምብጻሕ መንገዲ ክኽፈተሉ "ህጻናት ኣድሕን" ዝተባህለ ኣህጉራዊ ገባሪ ሰናይ ጸዊዑ`ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዲረክተር ሕጻናት ኣድሕን ጃቪየር ጀበርት፡ "ድሕሪ ምውላዕ`ቲ ግጭት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ስድራቤታትን ሕጻናትን ኣብ ስግኣት ወዲቖም ኣለዉ ኢሉ። ካብቲ ዝሓለፈ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተረፈ ቍስሊ ገና ከይሓወየ እዚ `ውን ክድገም ኣይግባእን፡" ኢሉ ህጻናት ኣድሕን ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣዊ መግለጺ።
ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ፡ `ኦልላ` ብዝብል ምሕጻረ ቃል ዝጽዋዕ ናይ ኦሮሞ ተሓላቒ ማሕበር ብወገኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ሚልሻ ፋኖን ዝካየድ ግጭት ንሰለማውያን ሰባት ዒላማ ዝገብር`ዩ ክብል ዘለዎ ሻቕሎት ገሊጹ`ሎ። ክልቲኦም ወገናት ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጡ`ዮም ዝበለ `ኦልላ`፡ ኣብ ኦሮምያ ዝነብሩ ኣምሓራን ኣብ ኣምሓራ ዝነብሩ ኦሮሞን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቁ ከም ዝኽእሉ ስኽፍታኡ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ብመሰረት ሃገራዊን ኣህጉራውን ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ክሕሉ ንጽውዕ ይብል።