መራሒ`ቲ እምነት ፓስተር ፓወል መከንዚ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ`ሎ- ንሰዓብቱ ነብሶም ከጥምዩን ኣብ ሓደ ዕሙቀት ዘይብሉ ቦታ ክቕበሩን ኣዚዝካ ተባሂሉ። ብኸምዚ ኣገባብ ጠንቂ ሞት ኣማኢት ኬንያውያን ኮይኑ ዘሎ ሰብ`ዩ- ብመሰረት ዝቐረቦ ክሲ። ካብ ሞምባሳ ንሰሜን ኣብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ ከም ዝድፈኑ`ዩ ዝገብር። ዛጊት 400 ኣስከረናት ተረኺቡ`ሎ።
እዚ ዝርብሽ ኩነታት ንመንግስቲ ኬንያ ጣልቃ ክኣቱ ደፊእዎ`ሎ። ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዝበለ እምነታት ሕግታት ከውጽእ ርእይቶ ህዝቢ ሓቲቱ ኣብ ውሽጢ 6ተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ከቕርብ መምርሒ ሂቡ`ሎ። ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ግን ኣብ ናጽነት ሃይማኖት መንግስቲ ጣልቃ ከይኣቱ ስግኣት ኣሕዲሮም ኣለዉ። ፓስተር ፒተር ንያጋ - ካብ ቤተ-ክርስትያን ኣድቨንቲስት`ዩ፤ "መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ከኽብር ሓላፍነት ኣለዎ። ንድሕነትን ጸጥታን ዜጋታት ዘኽብር ትእዛዝ ከመሓላልፍ`ውን ግቡእ`ዩ። እንተኾነ ግን ናብ ምድራት ናጽነት ሃይማኖት ከይሰግር ስግኣት ኣለኒ።”
ንብዙሓት ሰባት ድማ ብኸመይ ናብዚ ጫፍ ዝኸደ እምነት ይጽንበሩ ከምዘለዉ ከይገረሞም ኣይተረፈን። ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየን ሓደ እዋን ኣባል ናይቶም ነብሶም ብምጥማይ መንግስተ ሰማይ ክኣትዉ ዝኣምኑ ሰባት ከም ዝነበረን ድሓር ግን ሓደገኛ እምነት `ዩ ብዝብል ከም ዝገደፎም ዝገልጽ ሰብ ከምዚ ይብል፡ "እቲ ዝገርም ነገር ካብ ስድራቤትካ ይፈልዩኻ። ካብ ኣሕዋትካ ካብ ኣቦኻ ካብ ኣዴኻ ይፈልዩኻ። ኣደኻ ክትመጻካ እንተደለየት፡ ኣይከውንን`ዩ- መንግስተ ሰማይ ናይ ውልቂ `ዩ። መንግስተ ሰማይ ናትካ `ዩ ይብሉኻ።"
እዚ ኣማኒ ነበረ ካልእ ክትጻወሮ ዘይትኽእል ምልክታት ውን ኔሩ`ዩ ይብል፤ “ እቲ መራሒ እምነት ናይ ተፈጥሮ ሞት ከም ዘይመውት እዩ ዝነግረና ኔሩ። ሃንደበት እንተሞይቱ ግን ብዙሓት ነብሶም ክቐትሉ ኣለዎም- ምኽንያቱ ኣብኡ ስለዝኣምኑ። ናቶም ቤተ ክርስትያን ጥራይ ናብ መንግስተ ሰማይ ከም ትኣቱ፡ ካልኦት ቤተ-ክርስትያናት ግን ናብ ገሃነም ከም ዝኣትዋ እዮም ዝኣምኑ።”
ኣብ ኬንያ ልማዳዊ ሃይማኖታት ይበዝሓ`ኳ እንተሃለዋ፡ መንግስቲ ግን ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ዘውጽኦ ሕግታት ብጥንቃቐ ክገብሮ ኣለዎ ይብል- ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪቶርያ ዝምሃርን ብዛዕባ ልምዳዊ ሃይማኖታት መጽናዕቲ ዘካየደን ፕሮፈሰር በንሰን ሙለሚ። “እቲ ትኹረት ክኸውን ዘለዎ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንዝጥሕስ ተግባራት ዝቆጻጸርን ዝቐጽዕን ሕጊ ምውጻእዩ። ኣባል ናይ ጉጅለታት ሃይማኖት ምዃን ግን ከም ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ`ዩ- እዚ ድማ መሰረታዊ ሰብኣዊ ናጽነት`ዩ።"
ሕጂ እቲ ምውጽእ ኣስከረናት ቀጺሉ`ሎ። እቲ ብምጥማይ ኢኻ ትድሕን ዝብል እምነት ዝሰብኽ ፓስተር ቤት ፍርዲ ቀሪቡ`ሎ። ኬናያውያን ድማ እዚ ከምዚ ዝበለ ጥፍኣት ህይወት ካልኣይ ከይድገም ብኸመይ ምክልኻሉ ከምዝክኣል መልሲ የናድዩ ኣለዉ- ጸብጻብ ፍራንሲስ ኦንቶምዋ `ዩ ካብ ናይሮቢ።
ቅጥዒ