ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንኒጀር እትህቦ ዝጸንሐት ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ደው ተብል


ደገፍቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኒጀር
ደገፍቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኒጀር

(ዋሽንግተን) ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ኒጀር ስልጣን ድሕሪ ምቁፅፃሩ፡ ኣመሪካ ንኒጀር ትህቦ ዝነበረት ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንግዚኡ ጠጠው ከም ዘበለቶ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ምግላፁ ኣሶሼትድ ፕረስ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማት ሚለር ከም ዝበሉዎ ምቁራፅ እቲ ሓገዝ ንወተሃደራዊ ምትሕብባራትን ልምዓታዊ ሓገዛትን ዝፀሉ ኾይኑ ናብ ህዝቢ ኒጀር ዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዛት ግን ዘይትንክፍ ምዃኑ ሓቢሮምም።

እቲ ወሃብ-ቃል ኣስዒቡ፡ እቶም ዕልዋ ዝገበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊት ናብ ንቡር ምስ ዝምለሱ ግን እቲ ሓገዝ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

እንተ ዘይኮይኑ ግን ከምቲ ብግልፂ ዝበልናዮ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑፀር ገንዘብ ጠጠው ኢሉ ይርከብ ኢሎም።

ሚለር ትማሊ ሰኑይ ንሪፖርተራት ከምዝበልዎ ሰበስልጣናት ኣመሪካ ምስቶም ካብ ስልጣኖም ዝተላዕሉ መሓመድ ባዙም ኮነ ምስ ወሰንቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካን ኤውሮፓን ብስልኪ ይዘራረቡ ዘለዉ ምዃኖምን ሽሞም ክግለፅ ዘይተደለየ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ዘተ ብውልቆም ዝመርሑ ዘለዉ ሰበ ስልጣን እቲ ኩነታት ስጋብ ሕዚ ናብ ዕልዋ መንግስቲ ዝምዕብል ንንዃኑ ርግፀኛ ዘይሙዃኖም እዩም ዝገልፁ። ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ኒጀር ነቲ ኩነታት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ግዜ ኣለዎም ክብሉ’ውን ተዛሪቦም።

ሚለር ወሲኾም ኣመሪካ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ንልዕሊ 100 ዜጋታታ ካብ ኒጀር ዘውፀአት ኮይና ሐዚ'ውን ግን ውሑዳት ኣመሪካውያን ሓገዝ ይፅበዩ ምህላዎም ገሊፆም።

እዚ ዕልዋ መንግስቲ ነተን ኒጀር ኣብ ትሕቲ ሳህራ ሃገራት ኣፍሩካ ቀንዲ ናይ ግብረሽበራዊ መሓዛ ገይረን ዝወስዳ ኣመሪካን መሻርኽታን ዓብዪ ክሳራ እዩ።

ካብ ትሕቲ ሰህራ ናብ ደቡባዊ ክፋል ዝርከብ ሰፊሕ ከባቢ ምስ ጉጅለ ኣልቃዒዳን እስላማዊ መንግስቲን ርክብ ዘለዎም መኽረርቲ ሽፋኖም እናኣስፍሑ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝንርከባ ከም በዓል ቤኒን፡ ጋናን ቶጎን ዝበላ ሃገራት ራዕዲ ምፍጣር ጀሚሮም ይርከቡ።

ንኣመሪካን ፈረንሳይን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ብኣማኢት ሚልዮን ዶላራት ዝቝፀር ገንዘብ ንወተሃደራዊ ሓገዝ ኣብ ኒጀር ኣፍሲሰን እያን። ኣመሪካ ኣብዚ እዋን እውን ኣብ ኒጀር ከተማ ኦጋዴዝ 1,100 ንኣገዳሲ ንቝጣ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮን) ዝቆፃፀሩ ወተሃደራት ኣለዉዋ ይብል ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG